ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካብ ምትላል ዲያብሎስ ኢየሱስ ይከላኸለልና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 25 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝምልከት ተኸታታሊ ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ሰይጣን ንትኹረትና ከደናግርን ክፍትነናን እኳ እንተተወጣወጠ ጐይታ ካብቲ ናይቲ ሰይጣን ተንኮላትን ምትላልን ሓራ ንምውጻእ ከምዘኽእለና የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጎይታ ካብ መታለልን ምትላልን ዲያብሎስ ይሕልወና . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዘጸናንዕ ትዕዝብቲ እዚ ዕለት 25 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክኸውን እንከሎ፥ ኣተሓሒዞም እውን ምእመናን "ምስ ዲያብሎስ ፈጺሞም ከይዝትዩ" ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝምልከት ተኸታታሊ ዘቕርብዎ ዘለዉ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፥ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ብዛዕባ ኣብ ምድረ በዳ ንኢየሱስ ዘጋጠሞ ፈተናታት ዝገልጽ ምንባብ ምስ ተነበ ቅዱስነቶም፥

ዘተ ምስ ዲያብሎስ ብፍጹም ክህሉ የብሉን

ክርስቶስ፡ ኣብ መስቀል፡ ንሓይሊ ‘መስፍን እዛ ዓለም’ ንዘልኣለም ምስ ሰዓረ፡ ሓደ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ከም ዝጸሓፎ - ‘ዲያብሎስ ከም ከልቢ ብሰንሰለት ተኣሲሩ፡ ንማንም ክነክስ ኣይክእልን እዩ፣ ብጀካ  እቲ ናብኡ ዝቐርብ . . . ክነብሕ ይኽእል፣ ክመሳሰል ይኽእል፣ ግን ክነክስ ኣይክእልን፣ ብጀካ ነቲ ብኣኡ ክንከስ ንዝደሊ . . .

ዓሻ እተኾንካ ናብ ዲያብሎስ ከይድካ ‘ከመይ ኣለኻ? ቢልካ ኣንሓትት እንተድኣ ኴይና . . . ኩሉ ነገራት እዩ ዝበላሸው . . .

ምስ ዲያብሎስ ኩሉ ግዜ ርሕቐት ክንሕሉ ይግባእ . . . "ምስ ድያብሎስ ኣይትዝትይን ኢኻ፡ ትግስጾን ትርሕቖን እምበር . . .  ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ኩላትና ብሓደ መንገዲ ወይ ብኻልእ መንገዲ ዲያብሎስ ብገለ ፈተና ክቐርበና ክፍትን ከሎ፡ እዚ ክኸውን ብመጋበርያታት እደ ጥበብ ኣቢሉ እውን ክቐርበና ክፍትን ይኽእል ናይዚ መጋበርያ ተጠቐምቲ እውን እንተኾንና ካብቲ ፈተናታት ዲያብሎስን ካብ ዲያብሎስን ክርሕቕ ኣሎና . . . ካብኡ ርሕቐትና ንሓሉ፡ ነቲ ከም ከልቢ ብሰንሰለት ዝተኣስረ ኣይትቐርብዎ" እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ የመላኽት።

ቅዱሳንን ቅዱሳትን ከም ኣብነት

ቅዱስነቶም እቲ ዝዓበየ መርትዖ ህላወ ዲያብሎስ ኣብ ዓለምና ዘሎ መርትዖ ክፍኣት ዘይኮነስ ኣብ ህይወትን ምስክርን ቅዱሳን እዩ ዚርከብ ዚብል ርእይቶ ኣቕሪቦም . . . ቅዱሳን ብጽቡቕ ባህርን ቅድስናን ንኽዓብዩ ዝገብርዎ ጻዕሪ ነቲ "መንፈስ እከይን ንሓጢኣት ፈተናታት ምቅላስን" ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጾም፥ . . . ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ክፍኣትን ሓጢኣትን ዘመዝገብዎ ዓወት፡ ኣብ ቃሉ ብምውካልን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ብምድልዳልን፡ ነቲ ዲያብሎስ ምድንጋራቱን ፈተነታት ክንስዕሮ ከም እንኽእል "ርግጸይና ተስፋ ከም ዝህበና" ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ኣብ መደምደምታ፡ ጎይታ ዋላ’ኳ ዝኾነ ይኹን ፈተና ዓቢይ እውን እንተኾነ፡ ንዝኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተነ ክንሰግሮ፡ ልብና ከነጽሕ፡ ምስ ጎይታ ሓድነት ክንዕቢ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ኣስሚሮም . . .

"ተጠንቀቑ፡ ምኽንያቱ ዲያብሎስ ተንኮለይና እዩ - ንሕና ክርስትያን ግን፡ ብጸጋ ኣምላኽ ካብኡ ንላዕሊ ብላሓት ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 September 2024, 16:42