ҽ

2024.09.01 Papa Francesco in preghiera a Santa Maria Maggiore 2024.09.01 Papa Francesco in preghiera a Santa Maria Maggiore 

ር. ሊ. ጳ. ንመበል 45 ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ናብ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ኣወፍዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዘካይድዎ ሓውርያዊ ዑደቶም ኣብ ቅድሚ ስእለ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ብምጽላይ ናብታ ቅድስቲ ኣደ ኣወፈይዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 1 መስከረም ኣብ ድሮ ናይቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብርዎ መበል 45 ሓዋርያዊ ጕዕዞ ኣብ ቅድሚ ስእለ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ንምጽላይ ናብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም። ነቲ ናብ መጻኢ ሃገራት ናብ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ሲንጋፖር ዚገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ድማ ብሕድሪ ናብ እኖና ድንግል ማርያም ኣወፈይዎ።

ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ጸሎት ድሕሪ ምዕራጐም ናብ ሃገረ ቫቲካ ተመልሱ። ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድቲ መንበር እዚ ካብ ዕለት 2-13 መስከረም ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዘመነ ጵጵስናኦም እቲ ዘካይድዎ ዝወሐ ጕዕዞ ኪኸውን ምዃኑ ኣፍሊጦም።

02 September 2024, 16:48