ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ይጅምሩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ከባቢ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝርከቡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ድኻታትን ግዳም ሓደርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንበሪኦም ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ተራኺቦምን ሰላምታ ተለዋዊጦም ንመበል 46 ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ናብ ወጻኢ ሃገራት ሉሰበርግ ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 26 – 29 መስከረም ዝጸንሕ ኣብ ሉሰምበርግን በልጂምን ዘካይድዎ መበል 46 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዕለት 26 መስከረም ልክዕ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 08፡09 ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝነቐሉን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሉሰምበርግ ሰዓት 09፡56 ቅድሚ ቀትሪ ከም ዝበጽሑን ኣብ ሉሰምበርግ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብዓብዪ መስፍን ሉሰምበርግ ሄንሪ ኣቀባብላ ከም ተገበረሎምን ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ቕድሚ ምውጻኦም ኣብቲ ቦታ ምስ ዝተረኽቡ ሚእቲ መንሰያት ሰላምታ ከም እተለዋወጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 September 2024, 16:44