ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ እስያን ኦቻይናን ዝገበርዎ ጉዕዞ ዛዚሞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዢያን ፓፑዋ ነው ጊኒን ቲሞር - ለስተን ሲንጋፖርን ዘካየድዎ ናይ 12 መዓልታት ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ልክዕ ሰዓት 18፡25 ሮማ ፊውሚቺኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰላም ኣትዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብነፋሪት መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ብኣቆጻጽራ ኢጣሊያ ንግሆ ሰዓት 6.25  ብኣቆጻጽራ ሲንጋፖር ሰዓት 12.25 ድሕሪ ቀትሪ ከም ዝነቐሉን በዚ ድማ መበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ይዛዝሙ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲንጋፖር ቻንጊ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሚኒስተር ጉዳያት ባህሊ፡ ማሕበረሰብን መንእሰያትን ኣብ ኣዳራሽ መቐበልን መፋነውን ኣጋይሽ ቅድሚ ናብታ ነፋሪት ምእታዎም ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ሓጺር ክሌኣዊ ዘተ ንኸፋነውዎም ኣብኡ ንዝተረኽቡ ብዙሓት ሰባት ሰላምታ ኣቕሪቦም ከም ተፋነዉን፡ ከምቲ ልሙድ እውን ኣብታ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከናት ሓበረታ ልኡካን ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 September 2024, 08:44