ҽ

2024.09.26 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ኣትዮም 2024.09.26 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ኣትዮም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍጻሜታትን ርክባትን ጽዑቕ ዝኾነ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዋርያዊ ዑደቶም ንምቕጻል ኣብ ቤልጅየም ኣትዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ካብ ሉክሰምበርግ ተሰናቢቶም ድሕሪ ናይ 55 ደቓይቕ በረራ ብራሰልስ ከም ዝኣተዉን

ኣብ በልጅም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ሊቀ ጳጳሳት ፍራንኮ ኮፖላን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ በልጅም ልኡከ መንግስቲ ፓትሪክ ረኖን ናብታ ቅዱሰንቶም ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ደይቦም ኣቀባብላ ምስ ገበሩሎም፥ ብናይ መከለንን ብሩሰል ማሊነስ ብራስለስን ሊቀ ጳጳሳት ሉክ ተርሊንደን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ልኡካንን በርገሳውያን ሰበ ስልጣናትን ኣቀብብላ ምስ ተገብረሎም ናይ በልጂየም ንጉስ ፊሊፕን ንግስቲ ማቲልደን ውግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ንኽብሪ ቅዱሰንቶም ክቡር ዘበዓይና ድሕሪ ዘቕረቦ ሰላምታ  ሃገራዊ መዛሙር ቫቲካንን ቤልጅየምን ምስ ተሰምዐ ህጻናት ንቅዱስ ኣቦና ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መዝሙር ከም ዘስምዑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ናይ መወዳእታ ናብ ቤልጅየም ዝበጽሑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ዳግማዊ ኣብ 1995 ዓ.ም.

ዕለት 26 መስከረም 2024 ዓ.ም. በልጂም ዝበጽሑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ - ስርዓት ናብቲ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ናብ ዝዓርፉሉ ናብ ህንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቱ መንበር ከም ዝኸዱን ኣብኡ ልክዕ ሰዓት 20፡00 ከም ዝበጽሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ኣትዮም
27 September 2024, 11:24