ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ኢንዶነዢያ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልዕሊ 13 ሰዓታት ተጓዒዞም ነቲ ክሳብ ሕጂ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ዝነውሐ ካብ ዕለት 2 – 13 መስከረም ዝጸንሕ ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ቲሞር ኢስትን ሲንጋፖርን ዘካይድዎ መበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዕለት 3 መስከረም በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 06፡19 ኣብ ኢንዶነዢያ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ብምእታው ይጅምሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ካብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ብኣቆጻጽራ ሮማ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 17፡32 ደቓይቕ ነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ጋዜጠይንታት ሰላምታ ብምቕራብ ንመበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ከም ዝነቐሉን ኣብ ጃካርታ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሶካርኖ-ሃታ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 11፡19 ቅድሚ ቀትሪ ብምእታው ከም ዝጀመሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ጃካርታ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሶካርኖ- ሃታ ምስ በጽሑ ብናይ ኢንዶነዢያ ሚንስትሪ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምዉቕ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ቅዱስነቶም ኣብ ጃካርታ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝፍጽምዎ ውግዓዊ ርክባት ዕለት 4 መስከረም ክጅምሩ ምዃኖም የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃካርታ ሰለስተ መዓልቲ ክጸንሑ ከም ዝኾኑን ቀጺሎም ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ቲሞር ኢስትን ሲንጋፖርን ተመሳሳሊ ዑደት ከካይዱን ብናይ መግንስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ካርዲናላት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝበጽሕወን ሃገራት ኣቀባብላ ክግበረሎም እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኢንዶነዢያ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝርከባ ሃገር ክትከውን እንኮላ፡ ኣስታት 17 ሽሕ ደሴታት እተጠቓልል ዝተፈላለዩ ቀቢላታት፡ ብሄራት፡ ቋንቋታትን ባህልታትን እትሓቍፍ ኣዝያ ዓባይ ሃገር እያ። ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ቅድሚ ምክሳት ለበዳ ኮቪድ - 19 ዝሓቀንዎ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኢንዶነዥያ ከም ኣብነት ምጽውዋርን ሓባራዊ ህይወትን ብሰፊሑ እትርአ ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነታ ብዛዕባ ሕውነት ደቂ ሰባት እተነጽር   - ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶ ብምቅላሕ ንሰብኣዊ ሕውነትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን መሰረት ምዃኑ ንምድንፋዕን ንምስጓምን ዘለዎም ድሌት ኣብዚ ጉዕዞ ክምስክሩ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኢንዶነዢያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ካብቲ ብቐንዱ ኣስላም ዝኾነ ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 3 ሚእታዊት እዚ ድማ ካብቲ ጠቕላላ 280 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 8 ሚሊዮን ጥራሕ ዝሽፍን እኳ እንተኾነ ኣብታ ንውልቀሰባትን ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነታቶምን ኣብ ምኽባር ኣብ ዝተሃንጸት ሃገር ዝነብር እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃካርታ ሰለስተ መዓልቲ ክጸንሑን ኣብ መስጊድ ኢስቲቅላል ኣብ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ዓውደ ኣኼባ ክሳተፉን ንካቶሊካውያን እታ ሃገር መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን መደብ ከም ዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ጃካርታ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኢግናጽዮስ ሱሃርዮ ሃርድጆኣትሞድጆ ካብ ጃካርታ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ካቶሊካውያንን ኣስላምን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ እምነት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክምርዓዉ ኣዝዩ ልሙድ ምዃኑን እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ኣስላም ኣብ ዝበዝሑለን ሃገራት ልሙድ ከምዘይኮነ ኣመላኺቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኢንዶነዢያውያን ካህናት ካብቶም ወላዶም ኣስላም ወይ ቡድሃውያን ካብ ዝኾኑሉ ስድራቤታት ከም ዝመጹ እውን ገሊጾም

በዚ ኩሉ ምኽንያታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ‘እምነት፡ ሕውነት፡ ርህራሄ’ ብዝብል መርሕ ቃል ክበጽሑና ግቡእ እዩ” ከም ዝበሉ የዘኻኽር።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጃካርታ ኣትዮም
03 September 2024, 16:07