ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኩነታት ‘ቅቡል ኣይኮነን’ ይብሉ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኩነታት ‘ቅቡል ኣይኮነን’ ይብሉ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኩነታት ‘ቅቡል ኣይኮነን’ ይብሉ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ሊባኖስ ዝርአ ዘሎ ምብራኽ ግጭት ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ‘ቅቡል ኣይኮነን’ ብምባል ንኹሎም ብኲናት ዝሳቐዩን ተስፋ ዝስእኑን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምኡ እውን ኣብ ሊባኖስ ምብራኽ ግጭት ከብቅዕ ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንኹሉ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝርአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ነቒፎም፥

"ካብ ሊባኖስ ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ዘሕዝን እዩ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጽዑቕ መጥቃዕቲ ቦምባታት ብዙሓት ግዳያትን ዕንወትን ኣስዒቡ . . . እዚ ድማ ሓዘን ይፈጥረለይ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ክሳብ ዕለት 24 መስከረም 2024 ኣብ ሊባኖስ 558 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ድማ ነቲ ካብ በይሩት ብደቡብ ሸነኽ ዝርከብ ዞባ ኣዛዚ ሚሳይላት ሂዝቡላ ከም ዝቐተለትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 2,000 ቦምባታት ክድርበ እንከሎ መጥቓዕቲ ብተወንጫፊ ሮኬት ሕጂ እውን ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሄዝቦላሕ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ክሳዕ ሕጂ ሰላማውያን ሰባትን ሕጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 550 ግዳያት ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የመላኽት።

ነጸሎት ምንቲ እቶም ኣብ ዩክሬን ዝሳቐዩን ተስፋ ዝሰኣኑን

ቅዱስ ኣቦና ብፍሉይ መንገዲ ስለ ንኹሎም ብኲናት ዝሳቐዩ ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎት፡ ንፖላንዳውያን ምእመናን ኣብ ዘቕረብዎ ሰላምታ ድማ መሊሶም ነታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን ከም ዝዘከሩን፥

"ንኹሉ ሰብ፡ ንኹሎም ብኲናት ዝሳቐዩ ህዝብታት፡ ማለት ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን፡ ሚያንማር፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሱዳን- ንኹሎም ንዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ንጸሊ። ንሰላም ንጸሊ”

"ብሓገዝ ኣምላኽ ነቶም ዝሳቐዩን ዝጽገሙን መብዛሕትኡ ግዜ ተስፋ ዝሰእኣኑን ደግፉ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ቤልጅየምን ሉሰምበርግን

ኣብ መወዳእታ ድማ ምእመናን ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ማለት ናብ ቤልጅየምን ሉሰምበርግን ካብ ዕለት 26 - 29 መስከረም 2024 ዓ.ም. ንኸካይድዎ ዝኾነ ሓዋርያዊ ጉዕዞ “ኣብተን ሃገራት ሓድሽ ማዕበል እምነት ዘነቓቕሕ ዕድል ምእንቲ ክኸውን” ክጽልዩ ሓቲቶም፥ እዚ ጉዕዞ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዥያ፣ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ኢስት ቲሞርን ሲንጋፖርን ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ድሕሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ስዒቡ ዘካይድዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 September 2024, 16:48