ҽ

ር.ሊ.ጳ.፥ 'ውድድር ምርኢት ልደት' ሰላምን ሓጎስን ክርስቶስ ኣብ ምትሕልላፍ ዘለዎ ተራ  ይንእዱ ር.ሊ.ጳ.፥ 'ውድድር ምርኢት ልደት' ሰላምን ሓጎስን ክርስቶስ ኣብ ምትሕልላፍ ዘለዎ ተራ ይንእዱ 

ር.ሊ.ጳ.፥ 'ውድድር ምርኢት ልደት' ሰላምን ሓጎስን ክርስቶስ ኣብ ምትሕልላፍ ዘለዎ ተራ ይንእዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመታዊ ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዝተማእከለ ዝካየድ ናይ ምርኢት ውድድር ንዝሳተፉን ነቲ መደብ ንዝሰናዳው ኣካል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሕጻን ክርስቶስ ከመይ ጌሩ ንፍቕርና ትርጉም ከም ዝህቦን ኢየሱስ ኣብቲ ብቫቲካን ዝተወደበ ዓመታዊ ናብ መዓልቲ ምርእኢት ልደት ዝገብርዎ ጉዕዞ ብኸመይ ‘ከም ዝዛረቦምን’ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ንዓለም ሓቀይና ሰላም ዘምጽእ ትስብእቲ ኢየሱስ ክርስቶስ - ሎሚ ኣዚዩ የድልየና ኣሎ! - ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ማእለያ ዘይብሎም ስነ - ጥበባውያን ናይ ነፍሲ ወከፍ ቋንቋን ባህልን፡ ኣብ ዓለም መንገድታት ሕውነት ዝቐረጹ ኣነቓቒሑ እዩ” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ንውድድር ምርኢት ልደት 2024 ዓ.ም. መደብ ኣሰናዳኢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ምርኢት ልደት'

"ምርኢት ልደት" ብጳጳሳዊ ማሕበር ኣገዳሲ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝተዳለወ ናይ ሙዚቃ ምርእኢት ኮይኑ፡ "ንመንእሰያት ብበዓለ ልደትን ክብርታቱን ዝተደፋፍኡ ሓደስቲ መዛሙራትን ደርፍታትን ንኽምህዙ ብምዕዳም ንክውንነት ልደት ድምጺ ንምሃብ" ዝዓለመ እዩ።

እቲ ውድድር ቅድሚ ናይ ልደት ዓቢይ ምርኢት ዝካየድ ኮይኑ፡ እዚ መደብ እዚ፥ "ክብርታት ልደት ንምዕባይ ውፉያት ዝኾኑ መንእሰያት ዘመርትን ሙዚቀይናታትን ክዝክር እፈቱ" ክእንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልኽቶም ኣስተብሂሎም፡ "ልደት ኢየሱስ ብሰማያዊ መዝሙር ተሰንዩ 'ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ዝብል እዩ፡ ስለዚ ምርኢት ልደት ዘእግዚኣነ ነዚ ክብሪ ዝገልጺ እዩ” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ንልብኹም ይዛረብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብዚ መደብ እዚ ንዝሳተፉ ኩሎም ኣካል ናይ ሓደ ዓቢ ምንቅስቓስ ምዃኖም ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ኩሉ ግዜ "እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰብአ ንልቢ ሰብ ወትሩ ዝዛረብ ፍቕሪ ኣምላኽ" ዝገልጽ እዩ” . . . ጐይታ፣ ኣብ ታሪኽ፣ ኣዝዩ ዘድሊ ሰላም ንዓለም ከም ዘምጽአን ንሕውነት መንገድታት ከም ዝጸረገን ኣዘኻኺሮም፥ "ስነ-ጥበባዊ ጸዋዕታኹምን ሰብኣውን ክርስትያናውን ጉዕዞኹምን ክትገልጹ ኣብ ዘለኩም ድሌት፡ ኩልኹም፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ስሕበት ምስጢር ስጋዌ ዝለበሰ ፍቕሪ ይሰመዓኩም" እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንህይወትና ትርጉም ዝህብ ኢየሱስ

ቅዱስነቶም፥ "ነቶም ብብዙሕ ምኽንያታት፥ "ስቓይ፡ ሕማም፡ ውግእ፡ ግዱድ ስደት፡ ጸገማት ኣብ ስድራቤት፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ኣዕሩኽ" ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ንዝርከቡ ናብ ተስፋ ከብሉ፥ "ምናልባት ገለ ካብዞም መንእሰያት ብምስክርነትኩም ክትንክፉ ይኽእሉ እዮም!" ምስ በሉ ቀጺሎም

“ብናይ ገንዘብ ወይ ዓወት ጣኦታት ዘይኮነስ ብናይ ጽባቐ፣ ንሕውነት፣ ንህይወትና ዘድሕንን ትርጉም ዝህብን ኢየሱስ ዝድረኽ ናይ መንእሰያት ተውህቦን ፈጠራን ዓቢ ኣድላይነት ኣለዎ።”

እንክብሉ ነቶም መንእሰያት ሰናይ ተመንዮም ስለይ ድማ ጸልዩ እንክብሉ ሓቲቶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉሎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

24 September 2024, 16:13