ҽ

2024.09.11 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሲንጋፖር ምስ ኢየሱሳውያን ብዛዕባ ጸሎትን ጸዋዕታን ይዛተዩ 2024.09.11 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሲንጋፖር ምስ ኢየሱሳውያን ብዛዕባ ጸሎትን ጸዋዕታን ይዛተዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሲንጋፖር ምስ ኢየሱሳውያን ብዛዕባ ጸሎትን ጸዋዕታን ይዛተዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ሲንጋፖር፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ዘለዉ ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም "ምዉቕን ሕውነታውን" ርክብ ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 መስከረም ምስ ብጾቶም ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ርክብ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያንን መብራህቲ ዝኾኑ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ማቴዮ ሪቺን ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ዝነበሩ ኣባ ፔድሮ ኣሩፐን ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱሰንቶም ራብዓይን ናይ መወዳእታን እግሪ መበል 45 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ሲንጋፖር ዕለት 13 መስከረም ከም ዝዛዘም ኣፍሊጡ።

ኣኼባ ስድራቤት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 መስከረም ኣብ ማእከል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ፡ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ብቐንዱ ሲንጋፖራውያን ግን ከኣ ገሊኦም ካብ ካልእ ከባቢታት ካብ ማለዢያ ዝርከብዎም ብጠቕላላ ምስ 25 ኢየሱሳውያን ከም እተራኸቡን፥

ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ንቕዱስነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰንይዎም ዘለዉ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ከም ዝሓበርዎ፥ "እቲ ርክብ ከምቲ ልሙድ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ኣዝዩ ምዉቕን ሕውነታውን መንፈስ ዝዓሰሎ ምንባሩን . . . እቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታትን ጠለባትን ዝሓትትን እዩ ነይሩ፣ ካብዚ ግዜ እዚን ኣብዘን ሃገራትን ንቤተ ክርስቲያን ዝጽበያ ብድሆታት ጀሚሩ።

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እምነት ናብ ሰብኣዊ ብድሆታት ክኣቱ ከምዘለዋ ብንጹር ገሊጾም፣ ሎሚ እስያ ከም ቁልፊ ኣህጉር ኣገዳስነት ከምዘለዋ ከም ዘስመሩሉ” ኣባ ስፓዳሮ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣባ ኣርሩፐን ‘ብድሆ’ ጸሎትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተወሳኺ ኣገዳስነት ጸሎት ኣስሚሮምሉ፣ እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ብድሆ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ “ኩሉ ግዜ ነቲ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ብድሆታት ብመንፈስ ጸሎት ኣብነት ኣባ ፔድሮ ኣሩፐ ብምስዓብ ምግጣም የድሊ” እንክብሉ ነቶም ኣብ ሲንጋፖር ዘገልግሉ ዘለዉ ብጾቶም ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ምዒዶም፥ እዚ ኸኣ ነቲ ካብ 1965 ዓ.ም.  ክሳብ 1983 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ዝነበሩ ተወላዲ ስፐይን ካህን ኣባ ኣሩፐ ድሮ ቤተ ክርስቲያን እውን ንብጽዕና ደሓር እውን ናብ ቅድስና ኣዋጅ ዘሰንይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዝብል መጸውዕ ዝሃበቶምን ናብ ብጽዕናን ቅድስናን ዘብጽሖም መጽናዕትታት ይካየድ ከም ዘሎ ኣባ ስፓዳሮ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከም ዘዘኻኸሩ የመላኽት።

ጸዋዕታን ሓንጸት

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ይብሉ ኣባ ስፓዳሮ - ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ ጸዋዕታን ንኣብነት ብጭቡጥ ኣብዚ እዋን እዚ ኩነታት ጸዋዕታን ኣማእኪሎም፡ ማለት ገለ ሰባት፡ ገለ መንእሰያት፡ ናብ ማሕበራት ውፉያን ህይወት ክኣትዉ ዝደልዩ ግን ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ መደብ ሕንጸት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ውፉይ ህይወትን ዝፈርሑ ከም ዘለዉ ኣብሪሆም . . .  ትጽቢታት ከየንቆልቁል ድማ ሓሳብ ኣቕሪቦም . . .  “ኣብዚ መዳይ’ዚ” ወሲኾም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ናይ ዘመንና ብድሆታት ንምግጣም ልዑል ጽፈት ዘለዎን ግቡእን መደብ ህንጸት” ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን መግለጺ ኣባ ስፓዳሮ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብነት ማቴዎ ሪቺ

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተን ቅዱሰንቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ብጀካ ኣባ ኣሩፐ ቅዱስነቶም ኢየሱሳዊ ኣባ ማቴዮ ሪቺ፡ እቲ ዓቢ ኢየሱሳዊ ሃዋርያ ቻይና ተባሂሉ ዝፍለጥ እውን ካልእ መወከሲ ከም ዝነበረን . . . ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ እስያ ዘገልግሉ ዘለዉ ኢየሱሳውያን ፍሉይ መወከሲ እውን ምዃኑ ቅዱስነቶም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣባ ስፓዳሮ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

12 September 2024, 15:32