ҽ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ምስ መንእሰያት ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝርከብ ካቶሊካዊ ኮለጅ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት፣ መንእሰያት ሓድነት ንኽህልዎም ክጽዕሩ ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታት ክዀኑ ከምኡውን ነቲ እተማህርዎ ንዝመጽእ ወለዶታት ከመሓላልፍዎ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ዓርቢ ወጋሕታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጉባኤ መንእሰያት ናይ እተፈላለዩ ሃይማኖታት ተሳቲፎም ኣብ ሲንጋፖር ዝርከቡ መንእሰያት ሓድነትን ተስፋን ንኽገብሩ ብምምሕጻን ኣብ ሃይማኖታዊ ዘተን ሓድነት ክካፈሉ ውን ኣተባብዕዎም ።

ካብ ልዕሊ 50 ኣብያተ - ትምህርትን ሕብረት ሃይማኖታውያን ውድባትን እተኣከቡ 600 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ኣብቲ ጉባኤ ከም ዝተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኤስያን ኦሻንያን ዝገበርዎ መበል 45 ሓዋርካዊ ዑደቶም ናብ መንበሮም ሮማ ቅድሚ ምምላሶም ናይ መወዳእታ ፍጻመ እዩ ዝነበረ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ ናብ ኢንዶነዥያ ንፓፕዋ ኒው ጊኒ ከምኡውን ንቲሞር-ለስተ ዘካየድዎ መሳጢ ሓዋርያዊ ዑደት ኢዩ ዝነበረ።

መብጽዓን ተወፋይነትን መንእሰያት

ኣብቲ ኣጋጣሚ እቶም ኣባኡ እተረኽቡ መንእሰያት "ንሓድነትን ተስፋን ንምዕያይ ንናይ መጻኢ ወለዶ መብጽዓ" ንምግባር ገዛእ ርእሶም ቃል ኣትዮም ኢዮም።

ድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቅረቡሎም መደረ ቅድሚ እቲ ብልቦም ዝጸለይዎ ጸሎትን እቶም መንእሰያት ከምዚ ክብሉ ተመባጽዑ - "ንሕና እቲ ዝመጽእ ወለዶ፣ ነቶም ኣብ መንጎ እተፈላለየ እምነታት ዘለዉ ሰባት ስኒት ዘለዎ ህላወ ዘደንፍዕ ምትሕብባርን ዕርክነትን ብምህናጽ ናይ ሓድነትን ተስፋን መብራህቲ ክንከውን ቃል ንኣቱ ኢና" ክብሉ ተመባጽዑ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓደ ተኸታሊ እምነት ሂንዱ ሲክ ከምኡውን ናይ ሓደ ካቶሊካዊ መንእሰይ ምስክርነት  ሰምዑ፣ ኣብኡ ኸኣ ነቲ ናይ ብሕቲ እምነቶም ክስዕብዎ ኣተባብዕዎም እንተዀነ ግን ብሓባር ክኸዱን ናብ ሓባራዊ ረብሓ ክጐዓዙን ውን ተማሕጸንዎም ።

ር.ሊ.ጳ. ምስ መንእሰያት ካልኦት እምነታት ዘካየድዎ ዘተ
ር.ሊ.ጳ. ምስ መንእሰያት ካልኦት እምነታት ዘካየድዎ ዘተ

'ውልቀ-ምልካዊ ስርዓታት ዘተ ኣየፍቅድን ኢዩ'

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም መንእሰያት ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ዘተ ነቲ ምቹእ ከባቢኦም ሓዲጎም ንቕድሚት ንኽግስግሱን ሃናጺ ነቐፌታ ንኽህቡን ትብዓት ክህልዎም ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ቅዱስነቶም "ከም መንእሰያት እንተ ተዘራረብኩም ከም ዜጋታትን ከም ኣባላት ማሕበረሰብን መጠን ከምኡ ኽትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም" በልዎም።

ኣብ መላኽ ታሪኽ ወድሰብ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና "ሓደ ውልቀ-ምላኻዊ ስርዓት ብቐዳምነት ዚገብሮ ነገር ዘተን ዝርርብን ምውጋዱ እዩ" ድማ በሉ።

ኣይትፍርሁ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ከይፈርሑ ንዝቐርበሎም ብድሆታት ክገጥምዎን ኣብ ህንጸት ዓለም ክጽመዱን ኣተባብዕዎም ። ፍርሂ "ኬልምስ ዚኽእል ውልቀ-ምልካዊ ኣረኣእያ" ምዃኑ ብምግላጽ "ኣይትፍርሁ" በልዎም።

መንእሰያት ልክዕ ከም ኵሎም ሰባት ውዒሎም ሓዲሮም ከም ዚጋገዩ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

"ጌጋ ምግባር ንቡር እዩ" በሉ ቅዱስነትም፣ እቲ ዝያዳ ዜገድስ ግና ጌጋና ብምእማን ከም ብሓድሽ ምጅማርን ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ቅዱስነቶም ናብ ተክኖሎጅን ካልእ ዓይነት ማሕበራዊ መራኸብን ምልስ ብምባል ድማ እዚ መሳርሒታት እዚ ጠቓሚ  ኢዩ ድሕሪ ምባል፣ እንተዀነ ግን ባሮት ከይትኾኑ ተጠንቀቑ በልዎም።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መንእሰያት ካልኦት እነታት ኣብ ሲንጋፖር
ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መንእሰያት ካልኦት እነታት ኣብ ሲንጋፖር

ኵልና ደቂ ኣምላኽ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ መንእሰያት ምእንቲ ቅዱስነቶም ክጽልዩ ተማሕጸንዎም ።

"ኣምላኽ ንዅላትና ይባርኸና፣ ግዜ ምስ ሓለፈ እሞ ብዕድመ ምስ ደፋእኩም፣ መንእሰያት ዘይኮነስ ሽማግሌታት ምስ ኮንኩም ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ምስ ኮንኩም ነዚ ንመጻኢ ወለዶ ኣመሓላልፍዎ” ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ኣምላኽ ኣብ ኵሉ

"ኣምላኽ ንኹልና ኣምላኽ እዩ፣ ኣምላኽ ንኹልና ኣምላኽና እተ ደኣ ኮይኑ ከአ ኵልና ውሉድ ኣምላኽ ኢና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ እንበጽሓሉ መንገድታት እየን" በሉ። "ከም እተፈላለየ ቛንቋታትን እተፈላለየ ላሃጃታትን ዝመስል ምንጽጻር እዩ። ኣምላኽ ግና ንዅሉ ዚኸውን ኣምላኽ እዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ኣብ ሃይማኖታዊ ዘተ ስለ እተኻፈሉ ንሓድሕዶም ስለ እተኸባበሩን ኣመስገንዎም ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ውን ኣረጋገጸሎም።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መንእሰያት ካልኦት እምነታት ኣብ ሲንጋፖር
13 September 2024, 17:45