ҽ

2024.08.03 Seminario Maggiore di Getafe 2024.08.03 Seminario Maggiore di Getafe  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንናይ ስጳኛ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት - 'ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቪያኔ ስዓቡ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንኣባላት ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ስጳኛ ‘ደብረ እኖ ሓዋርያት’ ዘመሓላለፍዎ ቃለ ማዕዳን ኣብቲ ንኣምላኽን ምእመናኑን ዝገበርዎ ምሉእ ተወፋይነት ኣብነት ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ካብቲ ኣብ ጌታፌ ስጳኛ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት "ደብረ እኖ ሓዋርያት" ዝመጹ ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቕረቡሎም ቃለ ማዕዳን ስለቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብልቢ ኣመስገንዎም፣ እቲ ናብ ሮማ ዚገብርዎ ጕዕዞ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ብመንፈሳዊ መገዲ ንኺዳለዉ ኺሕግዞም ተስፋ ኸም ዝገበሩ ውን ገለጹሎም።

ኣብነት ናይቲ ጠበቃ ጓሶት ነፍሳት ስዓቡ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ጸጋ ክህነትን ጸዋዕታን ተዛረቡ ። ነቶም ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ኣብ ግዜ ክህነታዊ ሥነ መዕበያኦም ኣብነት ናይቲ ጠበቓ ጓሶት ነፍሳት ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቪያኔ ወትሩ ክስዕቡ ዓደምዎም ።  እቲ "ንኣምላኽን ምእመናኑን ዝገበርዎ ምሉእ ተወፋይነት" ናይቲ ጓሳ ዘኣርስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ውሩይ ፈረንሳዊ ካህን፣ ነታ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዘርኣዮም ፍቕሪ ዘንጸባርቐ ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ብምስትንታን ከኣ ኣርባዕተ መሰረታዊ መዳያት ማለት መንፈሳዊ ህይወት ትምህርታዊ መጽናዕቲ ማሕበራዊ ሕይወት ከምኡውን ሓዋርያዊ ንጥፈታት ብምዝውትር ኣሰር ኢየሱስ ክስዕቡ ተማሕጸንዎም።

ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽን ንድኻታትን ነቶም እተገለሉን ወፍዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣርባዕተ መዳያት ክህነታዊ ሥነ መዕበያ እዚ ምዝናቕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ከመይሲ  - "ጐይታናን ቤተ-ክርስትያንን ቅድሚ ኩሉ ነቲ እተቐበልኩምዎ ጸዋዕታ ምላሽ ክትህቡሉ ይጽበዩኹም ኣለዉ፣ ብንጽህናን ለጋስነትን ወትሩ ድሉዋት ኮይንኩም፣ ንኣምላኽን ንኣሕዋትኩምን ምሉእ ብምሉእ ክትውፈዩ ቆራጻት ክትኮኑ ትጽቢት ይግበረልኩም ኣሎ። ጸዋዕታኹም ነቶም ኣዝዮም ዚሳቐዩን ንድኻታትን ንእተገለሉን ፍሉይ ጽልዋ እዩ ዜሕድረሎም" ክብሉ ድማ መዓድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ "ንልኹም ከምቲ ናቱ ልቢ ዝመስል ገይሩ ንኽቐርጾ ንነፍሲ ወከፍኩም ማእከል ህይወትኩም ክኸውንን ናብ ልብኹም ቀረባ ክኽውንን ይምነ” በልዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ እታ ሓላዊት መላእኽቲ ዝዀነት እኖና ድንግል ማርያም ናብ ክህነት ኣብ እትገርዎ ጕዕዞ ከተሰንየኩም እጽሊ እንክብሉ ቃለ ማዕዳኖም ዛዘሙ ።

05 August 2024, 17:46