ር. ሊ. ጳ. ናብ ተወከልቲ ኣፍጋናውያን 'ጽልኢ ንምልዕዓል ስም ኣምላኽ ኪጽውዕ ዚኽእል ሓደ የልቦን'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ንዕቀትን ጽልእን ዓመጻን ንምልዕዓል ስም ኣምላኽ ኪጽውዕ ዝኽእል የልቦን።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቫቲካን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣፍጋናውያን ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ቀቅድሚ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብዎም ነዚ ኣቕዋም እዚ ብጽኑዕ ኣረጋገጹሎም።
እዚ ማሕበር እዚ ነቶም ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ኣፍጋናውያን ሕብረተሰብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ማሕበረሰብ ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ኢጣልያ ንዝርከቡ ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ንምድጋፍን ዘተ ንምክያድን ንሰብኣዊ መሰላት ኵሎም ቀቢላታት ማሕበረሰቦም ንምኽባርን እተጸምዱሉ ማሕበር ኢዩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ "ዜሕዝን" ኵነታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስትኮ ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዝተኸስተ ዘይምርግጋእን ውግእን ውሽጣዊ ምክፍፋልን ከምኡውን ነቲ ንብዙሓት ናብ ክስደዱ ዘግደደ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ዘሕዝን ፍጻመታት ዘከሩ።
እቲ ኣብ ምሕበረሰብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ዓሌታዊ ብዝሓውነት "ሓድሓደ ግዜ ብቐጥታ ምኽንያት መስጐጕትን ከምኡ ውን ኣድልዎን ግሉልን ኰይኑ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ" ብምባል ገለጹ።
"ብዙሕ ውግኣት ዘሕለፍኩምሉ ዘሕዝን እዋን ኣሎኩም።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብዙሓት ኣፍጋኒኣውያን ዝርከቡሉ ዝለዉ መዕቈቢ ኣብ ዶባት ፓኪስታን ዝርከብ ዘሎ ወሳኒ ዅነታት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሒደት ቀቢላታት ፓሽቱን (መብዛሕትኦም ቀቢላታት ኣፍጋናውያንን) ብዙሕ ዓመጽን ተነጽሎን የሕልዉ ከም ዝለዉ ኣመልከቱ።
ሃይማኖት ፍልልያት ንምንካይ ኪሕግዝ ኣለዎ
ቅዱስነቶም ኣብዚ ኣጸጋሚ ዅነታት እዚ ሃይማኖት ፍልልያትን ተነጽኖን ንምቅላልን ነፍስወከፍ ሰብ ብዘይ ኣድልዎ ምሉእ ዜግነት ዚወሃቦን ክፉት ቦታ ክረክብን ኪሕግዝ ከም ዘለዎ ገለጹ። ኣብ ክንድኡስ ሃይማኖት "ብዘይኣግባቡ" ከምኡውን ናብ ዓመጻ ዝመርሕ ግጭት ንምልዕዓል ከም ናይ ጽልኢ መሳርሒ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።
ስለዚ ንኣባላት ማሕበረሰብ ኣፍጋናውይን ኣብቲ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምስናፍ ዝገብርዎ " ክቡር ሃይማኖታዊ ስኒት " ንምፍጣር ዝገብርዎ "ብሉጽ ጻዕሪ " ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም ።
ጽልእን ዓመጻን ዘይኰነስ ሰብኣዊ ሕውነት ምድንፋዕ
ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነቲ ዘኪሮም። እቲ ታሪኻዊ ሰነድ ከም ዝገልጾ "ሃይማኖታት ውግእ ጽልኢ ምፍልላይ ከምኡውን ጥሩፍነት ከየለዓዕል ዓመጽ ወይ ውን ምፍሳስ ደም ከለዓዕል የብለይን፣" ክብል ይገልጽ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ "ልምዲ ዝርርብ ከም መገዲ" ገይሮም ብምውሳድ ብሓባር ብሰላም ክነብሩ ዝኽእሉ ዓሌታዊ-ባህላዊ ፍልልያቶ ክቀባበሉ ከም ዘለዎም ኣዘኻኸሩ። ንሓባራዊ ምድግጋፍ ከም ስርዓተ ህይወት ግይሮም፣ ሕድሕዳዊ ምርድዳእ ከም ሜላን መምርሕትን ህይወት ጌርካ ምውሳድ" ዝለዎ ኣገዳስነት ኣጉልሑ።
በዚ ኸምዚ ኸኣ "እዚ መዐቀኒታት እዚ ሓባራዊ ውርሻ ክኸውን እሞ ንኣተሓሳስባን ጠባያትን ሰባት ክጸሉ ኣለዎ" ብምባል ነዚ ኣብ ፓኪስታን እንተድኣ ተጠቒምካሉ እንክብሉ ንማሕበረሰብ ፓሽቱን ከም ዝጠቕሞም ገለጹ ።
"[ ኣብ ገሊአን ኣገደስቲ ሃይማኖታት ማለት ኣብ እስላምን ካቶሊክን ዚርከበለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ እዋን በዓል ልደት ንክርስትያናት ሰላም ኪብልዎምን ገንሸላትን ካልእ ነገራትን ክህብዎም ከም ዚኸዱ ርእየ እየ ፣ በዓል መስዋእቲ ክርስትያን ንሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኸይዶም ንበዓሎም ዚኸውን ነገራት ክህብዎም ከለዉ ርእየ እየ ፦ እዚ ናይ ሓቂ ሕውነት እዩ፣ እዚ ኸኣ ባህ ዜብል እዩ ' " በሉ ቅዱስነቶም።
ዋላ ሓደ ኣድልዎ ዘይግበረሉ ሕብረተሰብ ምህናጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣምላኽ "ኵሎም ሰባት ማዕረ መሰላት ዘለዎም ምሉእ ዜግነት ዚወሃቦም ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ንመራሕቲ መንግስትን ህዝብታትን ኪሕግዙ" ብምምዓድ ድማ መልእኽቶም ዛዘሙ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ከይተጠቀመሉ ወይ ኣድልዎ ከይገብረ፣ በቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህልን ሥርዓታትን (...) ኪነብር ይኽእል እዩ።" ድማ በሉ።