ҽ

2021.11.05 Messa Università Cattolica del Sacro Cuore 2021.11.05 Messa Università Cattolica del Sacro Cuore  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ምስ ክርስቶስ ሓንሳእ ምስ ተራኸብና ንባዕልና ክንሓዝኦ ኣይንኽእልን ኢና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ዝካየድ ዝሎ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ማዳጋስካር ዝልኣኽዋ መልእኽቲ ንምእመናን ምስ ክርስቶስ ግዜ ንምሕላፍን ወንጌላዊ ልኡኽ ፍቕሩ ንምዃንን ዘሎና ፍቕሪ እንደገና ክረኽብዎ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ትማሊ ዓርቢ ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ ነቲ ካብ 23-26 ነሓሰ ኣብታ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እትርከብ ደሴት ማዳጋስካር ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣመልኪቶም ናይ ደገፍን መንፈሳዊ መእዳን መልእኽቶም ረኣኹሎም።

"እዚ ንኣወዳትን ኣዋልድን ክርስትያናዊ ማሕበረሰብኩም ናብቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ንምምላስ ከምኡውን ነቲ ምስ ክርስቶስ ግዜ ንኸሕልፉ ዘለዎም ባህጊ እንደገና ንኽረኽብዎ ዝሕግዞም ተበግሶ አተባብዖ ኣሉኹ።" በልዎም

"ነቲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎ ኣኽብሮትን ምስ ክርስቶስ ግዜ ንምሕላፍ ዘሎኩም ባህግን እንደገና መርምዎ።"

ንተግባረ ኣምልኾ ናትኩም ግበርዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ማዳጋስካር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡን ማሪ ፋብየን ራሃሪላምቦንያን ኣብ ዝጸሓፋ መለኽቲ፣ ናብ ክርስቶስ ምቕራብ "ከም ክርስትያን ምእመናን መጠን እናዓበኹም ክትከዱ ስለ ዝተጸዋዕኩም ንዕቤት ነፍሲ ወከፍኩም ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ምስ ጽምብል መበል ሚእቲ ዓመት ናይቲ "ምንቅስቓስ መንእሰያት ቅዱስ ቍርባን" ከም ዝሰማማዕ እዋን ኣስመሩሉ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሳታቶም ሓቢሮም ኸም ዝጽልዩን ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተሳተፉ ኣሕዋት ኣሓትን ሰላምታ ኸም ዘመሓላልፉሎም ገለጹ፣ ነቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝግበር ካልኣይ ክፋል ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ እንሰናደወሉ ዘሎና እዚ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ድማ ገለጹ ።

ንክርስቶስ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሓዝኦ ኣይንኽእልን ኢና

"እዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ካልኦት ንምርኻብን ንምጽላይን፣ ምስ ካልኦትን ኣስኣሰር ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ምስጥረ ቅዱስ ቍርባን ንምክፋልን ዘለዎ ኣገዳስነት እንደገና ንኽትግንዘቡ ይሕግዘኩም ኢዩ" በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ምስ ክርስቶስ ሓንሳእ ምስ ተፋለጥና፣ ኣብ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ሓንሳእ ምስ ተንከናዮን ምስ ተቐበልናዮን ንዕኡ ኣብ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሓዝኦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኣብ ክንዳኡስ ልኡኻት ወንጌል ናይታ ንኻልኦት ዘላትና ፍቕሪ ኢና እንኸውን" ክብሉ መዓድዎም።

ቅዱስ ቍርባን ንኸነፍቅር ይድርኸና

"ልብና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዕጹው እንተ ደኣ ኮይኑ ንቅዱስ ቍርባን  ብሓቂ ኽንርድኦን ትርጕሙ ከነዕሙቖን ስለ ዘይንኽእል፣ ቅዱስ ቁርባን ግና ኣብ ብጻይና ዓሚቝ ፍቕሪ ንኸነሕድር ይድርኸና እዩ" በሉ።

ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ንዓታቶምን ንኣባላት እቶም  መበል ሚእቲ ዓመት ዜብዕሉ ዘለዉ "ምንቅስቓስ መንእሰያት ቅዱስ ቍርባን" ምስ ኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ብምዃን "ንኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ንኽረኽብዎ" ኺሕግዞም ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ህይወትና ንኣምላኽ መስዋእቲ ምግባር

"ንኣምላኽ ምእንቲ ክፍልጥዎን ከፍቅርዎን ከገልግልዎን ህይወቶም ምስ መስዋእቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መሰውኢ እናኣሕበሩ ንኣምላኽ ምእንቲ ከወፍይዎ ሓግዝዎም" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተሳተፍቲ ፍረ ዘለዎ ጉባኤ ክገብረሎምን፣ ንዅሎም ድማ ናብቲ ኣደነታዊ ዑቕባ ድንግል ማርያም ብምውፋይ ሠናይ ምንዮቶም ብምግላጽን መልእኽቶም ዛዘሙ።

"መዓልቲ መዓልቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎኩም ርክብ ምእንቲ ኸተደልድሉ ምእንታኹም የማልድ ኣሎኹ" ክብሉ ውን ጸለዩሎም።

24 August 2024, 17:53