ҽ

Beirut: 'da esplosione cratere profondo 43 metri' Beirut: 'da esplosione cratere profondo 43 metri'  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ሊባኖስ ውጥን ሰላም ኰይና ኽትቅጽል ኣለዋ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ግዳያት ናይቲ ብ2020 ኣብ ወደብ በይሩት ዘጋጠመ ሓደጋ ተፈንጃሪ ዝዀኑ ስድራቤታት ተራኺቦም፣ ሓቅን ፍትሕን ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ምኣቶም ደው ከም ዝብሉ ገለጹሎም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድማ እንደገና ሰላም ሰልማ ክርከብ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣዳራሽ ጉባኤ ካርዲናላት ዝረኸብዎም 30 ተወከልቲ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራም፣ ምእንታኦም ይጽልዩ ከም ዘለዉን ኣብ ሓዘኖም ከም ዝካፈሉን ገለጹሎም፣ ምስቶም ኣባላት ስድራቤት ናይቶም ግዳያት ሊባኖሳውያን  ዘለዎም ጥቡቕ ቅርበት እውን ኣመልከቱሎም ።

"ንዓኻትኩምን ነቶም እተፍቅርዎም ቤተሰብኩምን ኣብ ጸሎተይ እዝክረኩም ኣለኹ፣ ንብዓተይ እውን ምስቲ ናታትኩም ንብዓት የሕብር ኣለኹ" በልዎም።

ሓቅን ፍትሕን

እቲ ኣብ በይሩት ኣብ ወደብ ናይታ ኸተማ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ዘጋጠመ ነትጕ ናይ ብዘይኣግባብ እተኸዘነ ኣዝዩ ብዙሕ ነተጕቲ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐትሉ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ተጐዲኦም ይርከቡ ኣለዉ፣ ኣብ ብምልእታ እታ ርእሲ ኸተማ ሊባኖስ ኣብ ህንጻታትን ትሕተቕርስን ከቢድ ጕድኣት ውን ኣውሪዱ ኢዩ ።

እቲ ዕንወት ንብልሽውናን ግጉይ ኣተሓሕዛን ሸለልትነትን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ሊባኖስ ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተገብረ ምርመራ ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት መንግስትን ሰበ - ስልጣን እቲ ወደብን ፍሽለት ስለ እተራእየ፣ ኣብ ሊባኖስ ቀጻሊ ንፖለቲካውን ማሕበራውን ናዕቢ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ንስድራቤታት ሊባኖስ ሓቅን ፍትሕን ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ቀጻሊ ጻዕሪ ከም ዝደገፍዎም ገለጹ፣ እዚ መርመራታት ድማ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣፍልጦ ዝሃቡሉ በቶም "ዓመጽቲ ሓይልታትን መኽሰባቶምን" ይዕገት ኣሎ።  "ህዝቢ ሊባኖስ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንስኻትኩም ሓላፍነትን ግሉጽነትን ዜንጸባርቕ ቃላትን ተግባራትን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎኩም" በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝቕስል ዘሎ ውግእ እውን ብዞባ ደረጃ ከም ዘተሓሳስቦም ገለጹ፣ ደጊሞም ድማ ከምቲ ወትሩ ዝብልዎ ውግእ ፍሽለት ናይ ፖለቲካን ሰብኣውነትን ኢዩ በሉ።

ሊባኖስ ከም ሓንቲ እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብሓባር ብስኒት ዝነብሩላን “ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ብመንፈስ ሕውነት ዝሰምሩላን” ሃገር ከም ምዃና መጠን ዘለዋ ፍሉይ ግደ ብምጕላሕ ከም ብሓድሽ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክሰፍን ተማሕጸኑ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሊባኖስ ናይ ሰላም ምጥን ኢያ፣ ክትቅጽል እውን ኣለዋ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ሊባኖስ መልእኽቲ እያ፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ ውጥን ሰላም እዩ' ንዝበልዎም ኣይንረስዕ።"

ቤተ - ክርስትያን ቀጻሊ ደገፍ ትህብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዞም ኣባልት ንስድራቤታት ቤተ-ክርስትያን ብጸሎትን ብጭቡጥ ግብረ-ሰናይን ብቐጻሊ ኸም እትድግፎም ኣረጋገጹሎም። "በይንኹም ኣይኰንኩምን ንሕናውን ከቶ ኣይንርስዓኩምን ኢና " በልዎም ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ስድራቤታት ሊባኖስ ስለቲ ዘርኣይዎ ተጻዋርነትን እምነትን ኣመስገንዎም፣ ብርታዔኦም ድማ ምስ ክብርን ልዑላውነትን እቲ ምልክት ሊባኖስ ዝዀነ ኦም ቄድሮስ ብምምሣል ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣወፈይዎም ።

"ኦም ቄድሮስ ናብ ላዕሊ ናብ ሰማይ ናብቲ ተስፋና፣ ናብቲ ተስፋና ዝዀነ ኣምላኽ ክንጥምት ይዕድመና እዩ።

28 August 2024, 09:24