ር. ሊ. ጳ.፦ ንመንእሰያት ንሕና ኣይኮናን እነድልዮም፣ ኣምላኽ ኢዩ ዘድልዮም!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ መበል 16 ጠቕላዊ ጉባኤ ማሕበሮም ንምክያድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እትርከብ ኣባላት ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር መነኮሳት ቅዱስ ዮሴፍ "ንመንእሰያት ንሕና ዘይኮና እነድልዮም፣ ኣምላኽ ኢዩ ዘድልዮም! " ክብሉ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባላት ናይቲ ብ1878 ቅዱስ ዮሴፍ ማሬሎ ዝመስረታ ማሕበር መነኮሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን "ከም እትፈልጥዎ ስድራ ቤተይ መበቆሎም ካብ ኣስቲ እዩ" በሉ።
"ኣብታ ቅዱስ ዮሴፍ ማሬሎ ዝስሙ መስራቲ ማሕበርኩም እተወልደላ ቦታ ፒድሞንት ሓባራዊ መበቈል እዩ ዘሎና" ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ኣቢ ዘካይድዎ ዘለዉ ጠቕላሊ ጉባኤ ዘልዓልዎ ፍረ ነገር ብምዝካር ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ እተጻሕፈት መልእኽቲ "ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ከተጐሃህርዎ አዘኻኽረኩም ኣለኹ" (2 ጢሞ. 1፡ 6) ንዝበሎ ብምዝኽካር "እዚ ኣገዳሲ ቃላት እዩ" በሉ።
ኣብቶም መንእሰያት ከኣ "ንስኻትኩም ከም መዓይይቲ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑኩም " ማለት "ቅድስና መስራቲኹም " ከምኡ ውን "ነቲ ምስኡ ዚመጽእ ሓላፍነታት ክትስከሙ ነቲ ሎሚ ንኻልኦት ብምግልጋል እተቐበልኩምዎ ውህበታት ክትሕልውዎን ክትፈርዩሉን" ከም ዘሎኩም ኣስተንትኑ ክብሉ ተማሕጸንዎም።
ሰይንት ጆሴፍ ሓላዊ ቕዱስ ስድራ ቤት
ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እዚ ኽልተ ባህርያት ናይ ምስጋናን ተሓታትነትን እዚ ኣብቲ ቅዱስ ዮሴፍ "ሓላዊ ቅድስቲ ስድራ" ዝኾነ ኣጸቢቑ ተንጸባሪቑ ኣሎ፣ ንሱ ድማ "ኣርኣያን ዘነቓቕሓኩምን ከምኡውን ጠበቓ ማሕበርኩን ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ እዚ ፍቑር ቅዱስ ብምስትንታን፣ ቅዱስነቶም ንባዕሎም ኣብ ክፍሎም 'ናይቲ ዝደቀሰ ቅዱስ ዮዜፍ ሓወልቲ' ከም ዘለዎም ኣዘንተዉሎም።
"ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ እታ ቅድስቲ መጻምድቱ ዝነበረት ድንግል ማርያም ዘደንቕ ነገራት ዝኾነ፣ እቲ ኣንጻር ኵሉ ትጽቢታት ዝኾነ ናብ ቤቱን ህይወቱን ክቕበላ ዝገብሮ ልግሲ ዝመልኦ እምነት ኢዩ ።”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንነፍሲ ወከፎም ናይ እምነት ህይወቶምን ወንጌላዊ መብጽዓኦምን "መዓልታዊ ምስ ኢየሱስ ብምዃን" ሱር ክሰድዱ ተማሕጸንዎም።
"ንእምነትኩምን ምንኩስናዊ መብጽዓኹምን ኣብ መዓልታዊ ናብራኹም ምስ ኢየሱስ ብምንባር ሱር ክትሰዱ ከኣሉ።"
ኣብቲ ተነቃፊነትና ይድግፈና ኢዩ
እዞም ንዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ዝኣወጁ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ብምቕጻል ከምዚ በሉ - "ቅዱስ ዮሴፍ ብቐዳምነት ነቲ እተዋህቦ ዓቢይ ውህበት ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ እቲ ሰብ ዝኾነ ኣብ ቤቱ ንኽቕበል ማለት ምስኡ ብምዃን ብምስማዕ ብምዝራብ ከምኡ ውን መዓልታዊ ናብራኡ ብምክፋል ምላሽ ዝሃበሉ መገዲ ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነፍሲ ወከፍና ተነቀፍቲ ስለ ዝነበርና ብዘይ እቲ ዚድግፈና ጐይታ ደው ክንብል ከም ዘይንኽእል ተገንዚብና ኢና ።
ስለዚ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ብምስታፍ ቃል ኣምላኽ ብምስማዕን ብምስትንታንን ከምኡ ውን ስግደት ቅዱስ ቍርባን ብብሕቲ ዀነ ብማሕበር ብምክያድ፣ ወትሩ ጽቡቕ ናይ ጸሎት ህይወት ኬማዕብሉ ኣተባብዕዎም።
ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣባልት እዚ ማሕበር ብዛዕባ ሓጢኣቶም ክሓስቡ ከም ዘለዎም ብምምዓድ ኵላትና ናብ ጐይታ ኽንቀርብ እሞ ብሓጢኣትና ክንጽጸት እተ ደኣ ጀሚርና ናብኡ ጠቢቕና ምሳኡ ክንምሰጥ ከም እንኽእል ሓሳብ ኣቕረቡሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዚ ናይ ጸሎትን ህይወትን ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ምቅርራብን "ንሓዋርያነቶም ብኣወንታዊ መንገዲ ከም ዘንጸባርቕን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ 'ሓውርያት መንእሰያት' ተባሂሎም ዝተጸውዑሉ ተልእኾ ኣጸቢቑ ኢዩ ዘጕልሆ" ብምባል ኣተባብዕዎም።
መንእሰያት ኣምላኽ ኢዩ ዘድልዮም
"ንመንእሰያት ንሕና ኣይኮናን እነድልዮም ፣ ኣምላኽ ኢዩ ዘድልዮም" በሉ ቅዱስነቶም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ መደምደምታ ቃለ ማዕዳኖም "ኣብ ቅድሚ ህላዌኡ ዝያዳ ብዝተመላለስና መጠን፣ ብዝበለጸ ንኣምላኽ ንኽረክብዎ ክንሕግዞም ክንክእል ኢና" ክብሉ ኣስመሩሎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም መንእሰይ ጽቡቕ ናይ ምግባር ዘለዎም ክእለት ኣጉልሑ "ብጥበበይናታትን ዕጉሳትን ለጋሳትን መራሕቲ እንተድኣ ተደጊፎምን መሰነይታ ረኺቦምን፣ መንእሰያት ክሳዕ ዝዕምብቡን ፍረ ዝፈርዩን ምጽባይ ጥራይ ኢዩ።"
"ንመንእሰያት ንሕና ኣይኮናን እነድልዮም፣ ኣምላኽ ኢዩ ዘድልዮም! ኣብ ቅድሚኡ ህላዌኡ ዝያዳ ብዝተመላለስናሉ መጠን ንኣምላኽ ንኽረኽብዎ ዝያዳ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።"
እዚ "ብዙሕ ዕዮ ዝሓትት ዓቢ ዕማም" እኳ እንተዀነ ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ግን "ናይ ግድን ኣድላዪ ኢዩ" በለ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዞም ኣባላት ማሕበር መነኮሳት ቅዱስ ዮሴፍ ስለቲ ንቤተ-ክርስትያንን ንማሕበረሰብን ዝገበርዎ ዘለዉ ኣገልግሎትን ልግስን ብምምስጋን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።