ҽ

2024.08.27 Papa Francesco in preghiera davanti la Madonna dei pellegrini nella basilica di sant'Agostino 2024.08.27 Papa Francesco in preghiera davanti la Madonna dei pellegrini nella basilica di sant'Agostino 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክብረ በዓል ቅድስቲ ሞኒካ ናብቲ ቅርያታ ዝርከቦ ቤተክርስቲያን በጺሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ቅትያት ናይታ ኣደ ጳጳስ ሂፖ ዝዀነት ቅድስቲ ሞኒካ ዝርከበሉ ኣብ ሮማ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ምብጻሕ ንምክያድ ንሓጺር እዋን ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ናብታ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣጉስቲኖስ ብምኻድ፣ ነታ ኣደ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝኾነር ቅድስቲ ሞኒካ በጺሖም ንግደት ኣካይዶም። ንሳ እውን ንዘመናት ቅዱስቲ ተባሂላ ኢያ እትኽበር ዘላ፣ ትማሊ ድማ ዕለተ ክብረ በዓላ ክንዲ ዝኾነ ከም ኣቆጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ ላቲናውይና ክብረበላ ተዘኪሩ ውዒሉ ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ብናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣቢሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ናብታ ኣብ ሮማ እትርከብ ቤተ - ክርስትያን ቅዱስ ኣጉስቲኖስ በጺሖም ኣብቲ ቅርያት ቅዱሳን እተዓቀበሉ ቤት ጸሎት ደው ብምብ ጸሎት ኣዕሪጐም " ክብል ኣመልከተ ።

ምብጻሕ ናብ ኣባልት ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን

እቲ መልእኽቲ ከም ዘመልከቶ ብድሕሪ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ቅድሚ ምስሊ ካራቫግዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ካቫለቲ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ዚርከብ ስእለ “እመ ነጋድያን” ቅድስተ ማርያም ደው ከም ዝበሉ ውን ኣመልከተ።

ካብታ ቤተ-ክርስትያን ቅድሚ ምውጻኦም "ነቶም ኣብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ ኣሃው መነኮሳትን ገዳማውያንን ነጋድያንን ሰላም በልዎም" ክብል ዜን ቫቲካን የመላኽት።

29 August 2024, 09:23