ҽ

20224.08.09 2024.08.09 Cara a cara con el Santo Padre 20224.08.09 2024.08.09 Cara a cara con el Santo Padre 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕዝቢ ቻይና ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቻይና ማሕበር ኢየሳውያን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ሃገረ ቻይና "ውርሻኣ ከተጥፍኦ የብላን" ከም ዝበሉን ከምኡውን ናብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምክያድ ዘለዎ ባህጊ ደጋጊሞም ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ዋና ኣመሓዳሪ ክፍሊ ሕትመት ማሕበር ኢየሱሳውያን ቻይና ዝዀኑ ኣባ ፔድሮ ቺያ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት "ናይ ተስፋ መልእኽቲ" ኮይኑ ከምኡ ውን ንብምሉኦም ሕዝቢ ቻይና ቡራኬኦም ዘመሓላለፉ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ቃለ-መሕትት እዚ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዎም ብሕታዊ ተዘክሮታትን ብዛዕባ መጻኢ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎም ኣስተንትኖታት  እተመርሐን ሓያል መንፈሳዊ ኣትኵሮ ዘለዎ ቃለ-መሕትት ኢዩ ዝነበረ።

ውርሻኦም ምምዕባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብፍላይ ነታ ራዳኢተ ቻይና ተባሂላ እትፍለጥ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም እተወፈየት ኣብ ክፍለ ሃገር ሶንግጂንግ እትርከብ ቤት መቅደስ ሸሻን ኪበጽሑ ዘለዎ ባህጊ ኣይሓብኡን ። ኣብ እስያ ምስ ዝርከቡ ጳጳሳትን "ብሉጻት ምእመናን ዝኾኑ ህዝቢ ኣምላኽን" ንክራኸብ ከም ዝደልዩ ውን ገለጹ። ኣስዒቦም ድማ እዚ ሕዝቢ እዚ "ብሓቂ ኣማኒ ሕዝቢ እዩ" በሉ። "ብብዙሕ ኩነታት ዝሓለፉ ኢዮም ከምኡ ውን ኣማኒ ዝኾነ ሕዝቢ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ካቶሊካውያን መንእሰያት ቻይና "ነቶም ሰብ ተስፋ ዝኾኑ" ከምኡውን "ኣብ ምጽባይ ትዕግስቲ" እተለማመዱ ሰባት ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኽህቦም ዘይምኽንያታዊ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓኒ" እንክብሉ ብዛዕባ ተስፋ ዝገልጽ ሓሳባት ኣካፈሉ። እዚ ኸኣ "ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር እዩ" ብምባል ድማ  የጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ህዝቢ ቻይና "ውርሻኦም ከጥፍኡ ዘይብሎም ዓብዪ ህዝቢ" ምዃኖም ገለጹ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ "ንውርሻኦም ብትዕግስቲ ኺስዕቡዎ ኣለዎም" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ነቐፌታን ምጽራርን

ኣብቲ ቃለ መሕትት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበርዎ ምትሕብባርን ምስማዕን ምኽርን እውን ኣስተንተኑ። "ነቐፌታ ሃናጺ እኳ እንተ ዘይኰነ ወትሩ ይሕግዘካ ኢዩ፣ ከመይሲ ወትሩ ጠቓሚ ኢዩ፣ ብዛዕባ እቲ እትጕዓዞ ዘለኻ መንገዲ ከም እትሓስብ ኢዩ ዝገብረካ" ብምባል ኣነጺሮም ይገለጹ።

"ብድሕሪ ምጽራር እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ጽቡቕ ነቐፌታ ክህሉ ይኽእል ኢዩ።" ሓድሓደ ግዜ ካብ "ንእሽቶ ጕጅለታት" "ከምቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝግበር ዘሎ ኣንጻር ቤተ-ክርስትያን" ምጽራር ከጋጥመካ ኸሎ እውን ከይተረፈ "ክትጽበዮን ክትጻወርን" ኢዩ ዘድልየካ ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዋን ጸገም ወይ ተነጽሎም ወትሩ ግዜ ብምጽንናዕ ጐይታ ኢዩ ዝፍታሕ" ብምባል እንደገና ኣመልከቱ።

ውግእን ካልኦት ብድሆታትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘመነ ጵጵስናኦም ዘጋጠሞ ብዙሕ "ጸገማት" እንክሓስቡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ ዘጋጠሞም "ብርቱዕ ብድሆ" ከምኡውን ነቲ ብፍላይ ኣብ ዩክረይን ምያንማር ከምኡውን ማእከላይ ምብራቕ ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት "ሕጂ ዘሎ ብድሆ" ከም ምዃኑ ይዝክሩ።

"ኵሉ ሳዕ ዝርርብ ብምግባር እዚ ኩነታት ክፍታሕ እየ ዝጽዕር" ብምባል ይገልጹ። "እዚ ምስ ዘይዓዪ ኸኣ ብትዕግስትን ብዋዛን" ንትምህርትታት ሰይንት ቶማስ ሞር ብምስዓብ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን ኢየ።

ብሕታዊ ጸገማት

ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ኢየሱሳዊ መጠን ገዳማዊ ህይወቶም እተወሰነ "ጸገማት" ኣጋጢምዎ ኸም ዝነበረ ይዝክሩ። እዚ ንቡር ኢዩ "እንተ ዘይኰነስ ሰብ ኣይምዀንኩን ነይረ" ብምባል ይገልጹ። እንተዀነ ግን ቅልውላው ብኽልተ መገድታት እዩ ዝስገር ፣ እዚ ኸኣ "ከም ሓደ ግድል" ጌርካ እዩ ክርአ ዘለዎ ፣ ሓደ ኻብኡ ኸኣ " እዚ ካብ ላዕሊ " ኢዩ ዝመጽእ ፣ ከምኡ ኸኣ "ገዛዕ ርእስኻ ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ወላ ሓደ እኳ ብዘይ ሓገዝ ንበይኑ ካባኡ ከምልጥ ዝኽእል የልቦን እዩ ። " ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ንጐይታ "ጸጋን ምሕረትን ክህቦንን ክዕገሶን" ከም ዝሓትዎ ገለጹ።

ሜመያ፣ ድኻታት፣ መንእሰያት፣ ሓባራዊት ቤትና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብ2019 ዓ.ም. እተገልጸ ኣብ ዚቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ማሕበር ኢየሱሳውያን ቀዳምነታት ዝህቦም ኣርባዕተ "ኣድማሳዊ ሓዋርያዊ ምርጫታት" እውን ኣስተንተኑ ፣ እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ልምምድ ምግባርን፣ ሜመያ ምድንፋዕን፣ ምስ ድኻታትን እተገለሉን ምጕዓዝን፣ መጻኢ ተስፋ ኣብ ምፍጣር ምስ ንመንእሰያት ምግልጋልን ከምኡ ውን ነታ ሓባራዊ ቤትና ምክንኻን ዝብሉ ኢያቶም ዝነበሩ ። እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ "ክፈላለ ዘይክእል" ኣርባዕተ መሰረታዊ ተልእኾ ምዃኑ ብምጕላሕ ምትሕብባርን ሜመናን ተልእኾኣዊ ዕዮን መሰረት ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ምዃኑ ኣጕልሑ።

ቀሲሳውነትን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጻኢ እዛ ቤተ-ክርስትያን ብምጥማት ገሊኣቶም ከም ዝብልዎ ቤተ-ክርስትያን "ዝነኣሰት" ክትከውን ምዃናን ከምኡውን "ኣብ መዓት ቀሲሳውነትን መንፈሳዊ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ከይትወድቕ ክትጥንቀቕ" ከም ዘድልያን ይዛረቡ ኢዮም። እዚ ነቶም ዝሓለፉ ካርዲናል ሄንሪ ደ ሉባክ ብምጥቃስ "ንቤተ-ክርስትያን ከሳቕያ ዝኽእል ዝኸፍአ እከይ ካብ ግዜ ሓደ ነጻ ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገደደ ኢዩ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝኾነት ነቲ ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተክኦም "ጐይታ ኣብ ጸሎት ስለ ዝዛረብ" እንክብሉ ብዛዕባ ኣገዳስነት ጸሎት ኣጕልሑ።

10 August 2024, 16:32