ር. ሊ. ጳ. ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ኣገዳስነት ሊጡርጊያዊ ጸሎታት ኣስተንተኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እተመሓላለፈ ናብ መበል 74 ሃገራዊ ጉባኤ ቅነ ሥርዓተ ኣምልኾ፣ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሊጡርጊያዊ ጸሎታት ብምስትንታትን ካብ ግላዊ ጸሎታት ሕልፍ ዝበለ ከም ምኹኑ ዘለዎም ተመኵሮ ኣካፈልዎም።
ንመዝገበ ሃይማኖት ብምጥቃስ ቅዱስነቶም ነቶም ተሳተፍቲ፣ ሊጡርጊያዊ ጸሎታት "ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዘቕርቦ ጸሎት ምስታፍ" ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም።
ሊጡርጊያዊ ጸሎት ኸምቲ ንውልቀ-ሰባት ኣብ ዜድልዮም ነገራት ጥራይ ዘተኵር ብሕታዊ ጸሎት ዘይኰነስ ነቶም ምእማና ከም ሓደ ኣካል ሓድነት ከም ዚህልዎምን ኣብቲ ብሓባር ዚቐርብ ጸሎት ቤተ-ክርስትያን ንኺካፈሉ ኸም ዜኽእሎምን ገለጹ። ወሲኾም ድማ እዚ ናይ ሓድነት ተመክሮ እዚ ኣብ እተፈላለየ ግዜያትን ቦታታትን ንዝርከቡ ምእመናን ስለ ዘሕብሮም እምኒ መኣዝን ክርስትያናዊ ህይወት ኢዩ በሉ ።
ጽባቐ ሊጡርጊያዊ ኣምልኾ
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዘተታት ብዛዕባ ጽባቐ ናይ ሊጡርጊያዊ ሥርዓት ኣምልኾን ኣብ ዘለዎ ኣገዳስነትን ዘተኮረ ኢዩ። ዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ እዚ ወግዓዊ ሥርዓታት ምፍጻም ጥራይ ዘይኰነስ ዘመልክት፣ ነቲ ማሕበር ምእመናን ምስ ክርስቶስ ዓሚቝ ርክብ ከም ዚምስረት ዚገብርን ኣኽብሮትን ተሳትፎን እውን ዜጠቓልል እዩ ።
ኣብ ሊጡርጊያዊ ሥርዓተ ኣምልኾ በቲ ዝፍጸም ሥርዓታት ኣቢሉ ዚመሓላለፍ ጸጋ ንህይወት ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚሳተፉ ኸም ዚትንክፍ ዝተረጋገጸ ነገር ኢዩ። እዚ ጻውዒት እዚ ንዅሎም እቶም ውልቃውነት ኣወጊዶም ናይ ሓንቲ እትጽሊ ቤተ - ክርስትያን ሓባራዊ መንነት ክቕበሉ ጻውዒት ዝቐረበሎም እተጠምቁ ኣባላት ቤተ - ክርስትያን ዝምልከት ኢዩ ።
ግደ መንፈሳዊ መዛሙራት
ሓደ ኻብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘጕልሕዎ ቐንዲ መዳያት መንፈሳዊ መዛሙር ኣብ ቅዳሴ ዘለዎ ግደ ኢዩ ዝነበረ ። መዝሙር መመላኽዒ ስልማት ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘይንጸል ከም ዝዀነን ምስጢር እምነት ኣብ ምምሕልላፍ ፍሉይ ግደ ኸም ዘለዎን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣርዒቦም ምእመናን ክዝምሩ ኸለዉ ምስ ቤተ - ክርስትያን ርክብ ከም ዘለዎምን እምነቶም ከም ዝዓቀቡን ንዝመስከሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብምጥቃስ እዚ ነቲ ናይ ሓባርን መንፈሳውን ስፍሓት መዝሙር ዘጕልሕ ምዃኑ ኣመልከቱ ።
ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ጽሞና ዘለዎ ኣገዳስነት
ኣብዛ ብቐጻሊ ጫውጫውን ንጥፈታትን ዝመልአት ዓለም መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ ሊጡርጊያ ስቕ ምባል ዘለዎ ጥቕሚ ኣስመሩሉ።
ኣብ መልእኽቶም ኸም ዝጸሓፍዎ ስቕ ባዶነት ዘይኮነ ሰባት ንኣምላኽ ዚሰምዕዎ ዜስተንትኑሉ ከምኡውን ብመንፈስ ቅዱስ ኪልወጡ ዜፍቅዱሉ ትርጕም ዘለዎ ቦታ እዩ። እዚ ቅዱስ "ጽሞና" እዚ ቐንዲ ኽፋል ሥርዓተ ኣምልኾ ስለ ዝዀነ ኣመንቲ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕዶምን ብዝያዳ ኺራኸቡ ዘኽእሎም ኢዩ።
ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎትን መንፈስ ናይ ምሳሌታቱን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካልእ ኣገዳሲ መዳይ ናይዛ ዓመት እዚኣ ቅነ ሥርዓተ ኣምልኾ እውን መብራህርሂ ኣቕረቡ፦ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎት ዘተኰረ ኢዩ።
ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣገልግሎታት እዚ ንዕዮ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ-ክርስትያን ዝህባ እተፈላለየ ውህበታት ዝገልጽ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።
ኣብዚ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነት ውህበት እዚ ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ከም ዝግለጽ እውን ገለጹ፣ እዚ ድማ ንጡፍ ተሳትፎ ከም ዘስፋሕፍሕን ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዝስክርን ኣስፊሖም ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዘን ኣገልግሎታት እዚኣተን ናይ ባህርይ ዝንባለ ግላውነትን ተወዳዳርነትን ምእንቲ ኸወግዳ ብትሕትናን ብኣገልግሎትን ከም ዝፍጸም ንምግባር ቀጻሊ ተበግሶ ኽግበር ኣዚዞም።