ር. ሊ. ጳ. ናብ ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ፦ ሰላም ክርስቶስ ንኺዕወት ንጸሊ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ፈረሰይናታት ኮሎምበስ እተሰምዩ ማሕበር ካብ 6-8 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኲበክ ካናዳ ጉባኤ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለዉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንተልእኾኦም ንምዕዋት ጸሎቶምን ደገፎምን ኣመሓላለፉሎም።
እዛ ናብቲ ላዕለዋይ ሓለቓ ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ፓትሪክ ኬሊ ተላእከት ኮይና፣ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ክታሞም ዘንበሩላ መልእኽቲ ኢያ ዝነበረት ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ፍረ ነገር ናይዚ ንመበል 142 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ "ኣብ ተልእኾ" ንዝብል ጭርሖ ብምድናቕ፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን በቲ ኣብ ክርስቶስ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝረኸብናሉ ሓቂ ተግባረ ተለኾ ምዃኑ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ከምዚ ይብሉ - "ከም መሰረት ናይ ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ በቲ ንብፁዕ ማይክል ማክጊቭኒ እተገልጸሉ ትንቢታዊ ራእይ ተመሪሑ፣ ልዕሊ ዅሉ ንድኻታት ንምግልጋል ከምኡ ውን ንቤተ-ክርስትያን ብሓድነትን ኣብ ሕውነትን ከምኡውን ተኣማንነት ኣብቲ ዘድሕን ሓቂ ወንጌል ንምህናጽ ብህጹጽ ምስክርስነት ኣድላዪ ምዃኑ ስለዝደረኾ ኢዩ።"
ናይ እምነትን ሰባትን ስድራቤታትን ምህናጽ
ቅዱስነቶም ነቲ ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ “ናይ እምነት ስድራቤተትን” ሰባትን ንምህናስ ዝገበርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ነኣዱ፣ ድስራቤት ድማ እቲ መሰረታዊ ዋህዮ ሕብረተሰብ ብምዃኑ ንስድራቤቶም ዘለዎም ቈራጽነት ንብዙሓት ሰባት ብስለት ንኽረኽቡ ከም ዝሓገዞም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ካቶሊካውያን ሰብኡት ኣብ "ጸሎትን ስነመዕበያን ሕውነትን" ብምትኳር "ንእምነቶም ንኽነብርዎን ንስድራቤቶምን ንቍምስናኦምን ንማሕበረሰቦምን ንሃገሮምን ንምግልጋልን" ዝገብርዎ ንናይ ማሕበሮም "ሕመረት" ዝኾነ ተበግሶ ዘለዎም ፍሉይ ምስጋና ገለጹሎም።
"ዝገብርዎ ኵሉ ናይ ተልእኾ ወፈራ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኣብቲ ንሰላምን ድሕነትን ኵላ ዓለም ዝቀርብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልቡን ህርመት ልቡን ኣባኡ ኢዪ ኣሎ" በሉ።
ፈረሰይናታ ኮሎምቡስ ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ እተገብረ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ምድንፋዕ ሓጊዞም ኢዮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ እዚ ተበግሶ እዚ ነታ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀሉ ዘቕረቦ ናይ ድሕነት መስዋእቲ ዘለዋ እምነት "ዘደንቕ ምስክርነት" ከም ዝዀነ ገለጹ።
ነቲ ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ዝቕስል ዘሎ ውግኣትን ማሕበራዊ ዘይምርግጋእን እውን ዘከሩ ፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ንኽሰፍን ድማ ጸሎቶም ኣዕረጉ።
እቶም ፈረሰይናታትን ስድራቤቶምን ኣብ ኣልባብ ኵሎም ሰባት ሰላም ክርስቶስ ምእንቲ ኽዕወት ከምኡውን ስልጣነ ፍቕሪ ምእንቲ ኽህነጽ ጸሎቶምን ቅዳሴኦምን ካብ ምቕራብ ኣየቋርጹን" ደማ በሉ።
ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ንዝሳቐዩ ዘለዉ ክርስትያንን ንምድጋፍ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ እቶም ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ነፍሲ ወከፎም ዝገብርዎ ናይ ግብረ - ሰናይ ንጥፈታትን ቃል ኪዳናዊ ሕይወት ንምድጋፍ ዝገበርዎ ጻዕርን፣ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ንምዕቋብን ከምኡውን ነቲ ቤተ - ክርስትያን ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘርከባ ዘለዋ ሃገራት ዘለዋ ተልእኾ ዝብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ዘኪሮም ።
ኣብ ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ንዝርከቡ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገብርዎ ናይ ግብረ - ሰናይ ተበግሶታት ከምኡውን ነቶም ኣብ ክርስቶስ ብምእማኖም ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ ክርስትያን ምእመናን ዝገብርዎ ሓልዮት ውን ጠቐሱ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ እትመጽእ ዘላ ዓመት ኢዮቤል 2025 ምልስ ብምባል ድማ ፈረሰይናታት ኮሎምቡስ ነቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ተድባብ መንበረ ታቦት ንምሕዳስ ዘበርክትዎ ዘለዉ ብምጥቃስ ኣመስገንዎም።
ነጋድያን ተስፋ ኢዮቤል 2025 "ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ዓቢይ ተድባብ መንበረ ታቦት ክድነቑ ከለዉ፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ በቲ እቶም ፈረሰኛታት ኮሎምበስ ዘርኣይዎ ልግሲ ናብቲ ናይ መጀመርታ ጽባቔኡ ንምምላስ ብእምነትን ብሓድነትን ምስቲ ተካኢ ጴጥሮስ ክተሓባሩ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ፈረሰይናታት ኮሎምበስ ናብ እኖና ድንግል ማርያም ብምውፋይ ነቲ "ኣብ ሰብኣዊ ስድራቤትና ማይ ብሑቝ ሰላምን ቅድስናን ንኪዀኑ" እተዋህቦም ተልእኾ ኺፍጽሙ ጸዋዕታ ኣቅረቡሎም።