ҽ

2024.05.11 Ragazzi della Cresima della Diocesi di Genova 2024.05.11 Ragazzi della Cresima della Diocesi di Genova  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ዋዕላ ሪሚኒ፦ ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኣብ ኢየሱስ ምእማን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ተሳተፍቲ ናይ 2024 ዓ.ም. ዋዕላ ሪሚኒ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምምላስ "መማለድቲ ናይቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት" ክዀኑ ብምዕዳም መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ 2024 ዓ.ም. ዋዕላ ዕርክነት ኣብ መንጎ ህዝብታት  ንዚሳተፉ ዘለዉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ።

ዓመታዊ ምርኡያት ፖለቲከኛታትን ነጋዶን ተወከልቲ ሃይማኖታትን ባህልታትን ሊቃውንትን ስነ-ጥበበይናታትን ስፖርተይታት ከምኡውን ካልኦት ኣካላት ዝሳተፍዎ "ሠናይ ናይ ኩውንነት ንምርካብ ካብ ዘለዎም ባህጊ ተበጊሶም" ዘካይድዎ ዋዕላ ባህላዊ ተመክሮታት ንምልውዋጥ ናብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ሪሚኒ ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብታ ትማሊ ሰኑይ ዝተላእከትን ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ክታሞም ዘንበረላን መልእኽቲ፣ ፍረ ነገር ናይቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ - "ድሕሪ እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ንስዕብ እንተ ዘይሃሎና፣ እንታይ ኢና እንስዕብ ዘሎና?" ዝብላ ሓሳት እተጕልሕ ኢያ ዝነበረት።

ሓቀይና ትርጕም ህይወት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

እታ መልእኽቲ "ነቲ ሕመረት ምስጢር ህይወትን ክውንነትን ዝዀነ ነገር ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ!" ብምባል ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት ትገልጽ፣ "ነዚ ንምድላይ ዚግበር ጻዕሪ፣ እቲ ንጽባቐ ናይ ህይወት ንዝገልጽ " ድማ ተተባብዕ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ንምርኻብ ኣብ ዝግበር ምኽፋት ልቢ ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ጐረባብቱን ክውንነትን ከም ዝሓስብ ንምግባር ዝዓለመ "ጻውዒት ንኣስተንትኖ" ክግደሱሉ ተማሕጸንዎም።

እዚ ድማ ብግዲኡ ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ቍሳዊ ንብረት ወይ ኣሳልጦ ዘይኰነስ "እቲ ንጕዕዞና ብትውክልትን ብተስፋን ሱር ብምስዳድን ዜደልድለልና ርክብ" ማለት ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ዝንጸባረቕ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ምዃኑ እዩ ዚሕብር።

ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር፦ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ኢዩ

እዛ መልእኽቲ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እዚ ንናይ ቅድስቲ መንብር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት "እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣድላዪ፣ ኣዝዩ ምልኩዕ፣ ልዕሊ ዅሉ ዝስሕብ ከምኡውን ንዓና ልዕሊ ዅሉ ዘገድሰና ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ኢዩ! " ብምባል እተዛረብዎ ቃለት ትዝክር ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ሪሚኒ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ዘለዎም ሞሳን ደገፍን ገለጹ፣ ኵሉ ሰብ ድማ "ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ብንጥፈት ብምትሕብባር ህላወ ክርስቶስ ክርአን ክትንከፍን ዝኽእል ቦታታት ህይወት ክህብ ሓላፍነት ዝስምዖ ኣወሃሃዲ ለውጢ" ክኸውን የተባብዑ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ናይ 2024 ዓ.ም. ዋዕላ ሪሚኒ "ንብዙሓት ሰባት ነቲ ኣድላዪ ዝኾነ ነገር ንኺደልዩ ኺድርኾም፣ ንስብከተ ወንጌል ድማ ባህጊ ኼሕድረሎም ካብ ኵሉ ባርነት ሓራ ኸም ዚወጹን፣ ንደቅሰብ ዜሕውዮምን ኣብ ልቦም ከም ዚዕምብቡን ዚገብር ንኪኸውንን " ዘለዎም ተስፋ ገለጹ ።

20 August 2024, 18:11