ҽ

2024.08.30 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per l'Evangelizzazione 2024.08.30 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per l'Evangelizzazione   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንመንበረ ጥበብ ኡርባንያና መንነቱ ኺዕቅብ ኣተባብዕዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ተልእኾ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና ክዛተዩ ኣብ ጥቕላሊ ጉባኤ እተሳተፉ ኣባልት ረኺቦም፣ መንበረ ጥበብ ኡርባንያን ኣብቲ ፍሉይ መንነቱን ተልእኾኡን ሱር ብምስዳድ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት መልሲ ክኸውን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ መጻኢ ተልእኾ ናይቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደር ቀንዲ ሥነ ትምህርታዊ ተቕዋም ዝዀነ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰበኻታት ልኡካነ ወንጌል ዝሰድዎም ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ሥነ መዕበያ ዝልግስ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና ንምዝታይ ፍሉይ ጠቅላሊ ጉባኤ ኣካዪዱ።

ሲኖዳዊ ሜላ

ካብ ሓሙሽተ ኽፍልታት-ዓለም ዝመጹ ብፁዓን ካርዲናላትን ካህናትን ከምኡውን ልኡካነ ወንጌል  ንኽልተ መዓልቲ ብዛዕባ መንነትን ተልእኾን ትጽቢታትን ከምኡውን መጻኢ ናይዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባን ሻምናይ እተመስረተ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ንዝገብርዎ ሓዋራዊ ዕዮ ንምድጋፍ ዝቘሞ ሥነ ትምህርታዊ ተቕዋም ምስትንታንን ሓሳባትን ራእያትን ተመክሮታትን ተለዋሚጦም ።

እዚ ዓውደ-ጉባኤ እዚ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓውርያዊ ቅዋም 'ፍሰሓ እንተ ኣማን' ዘመሓላለፍዎ፣ ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ዘሎ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ኣበርክቶ ምእንቲ ኽገብሩ ኣብ መስርሕ ምሕዳስን ዳግመ ምብርባርን ጳጳሳውይና መናብርተ ጥበብ ዘበገስዎ ተሓድሶ ተተባቢዑ እተገብረ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ትማሊ ዓርቢ እተዛዘመ ጠቕላሊ ጉባኤ ብቐዳምነት ነቲ ካብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዉ ጉባኤታት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝተረኽበ ኣበርክቶታት ዘጠቓልል ጉባኤ ብምክያድ ነቲ “ሲኖዳዊ ሜላ” ብምጥቃሙ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ስብከተ ወንጌል ነኣድዎ።

መንነትን ተልእኾን

ቅዱስነቶም ብድሕርዚ ኣብቲ ጠቕላሊ ጉባኤ እተመያየጥናሉ ኣርባዕተ መዳያት ብምትኳር ድማ ንመንነትን ተልእኾን ናይዚ መንበረ ጥበብ ኣተሓሒዞም ሰፊሕ መገለጺ ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ዘለዎ ጸዋዕታ ምስቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ከም ተቕዋም ተምህርት ኡርባንያና እተመስረተ ኣብ መሰረታዊ ስርዓታቱን ነዊሕ ታሪኹን እተመስረተ ንስብከተ ወንጌል ዘለዎ ተልእኾ ወትሩ ተሰማሚኡ ዝከይድ ከም ከም ምዃኑ ኣዘኻኸሩ።

ይኹን እምበር እቲ መንበረ ጥበብ ዝገብሮ ሥነ-ትምህርታዊ ጻዕርታት — ስልጠናታትን ትምህርትታትን ምርምራትን — ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ከምኡውን ኣብዚ ግዜና ንዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ምላሽ ዝህብ ክኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ ።

ናይ ቤተ-ክርስትያን መጽናዕትታት ፍልጠት ከመሓላልፍ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዘይርስትያናዊ ሕብረተሰብ ዘለዋ ተልእኾ ዘንጸባርቕ፣ ስነ-ምግባራውን ሃይማኖታውን ብዝሓውነት ናይዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዝምልከት ኣእምሮኣዊ መሳርሒታት ክእለታትን ከማዕብል ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።

"ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረ ኣይኮናን እንነብር፣ እንተዀነ ግን ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ብዝሓዊ ሕብረተሰብ ከም ክርስትያናት ኽንነብር ኢና ተጸዊዕና ዘሎና። ከም ግልጺ ዝኾኑ ክርስትያን መጠን"

መጻእን ትጽቢታትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ብዛዕባ መጻእን ትጽቢታትን እዚ መንበረ ጥበብ  ኡርባንያና ኣመልከቱ ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሮማ ዚርከቡ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ክገብርዎ ዘድልዮም ዝሰፍሐ መስርሕ ሜመያ እዩ በሉ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ደረጃ ትምህርትን ምርምራትን ምምሕያሽ ከምኡውን ነቶም መሰረታውያን ምንጭታት ምኽንያታዊ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣረጋገጹ ። እዚ ኸኣ እተፈላለየ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው "ነዊሕ እዋን ናይ ምዕዛብ ክእለት" ከም ዝሓትት ገለጹ - እዚ ኸኣ ኣቕላሲያውን ማሕበራውን ኵነታት፣ መዋቅራት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ሓይልን ቀጻልነትን፣ እተን ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታት ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ዘድልያ ነገራት ኣብምህላይ፣ ጸዋዕታ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምዅስኳስ ከምኡውን ዞባኣዊ ማሕበረሰብ ምግዳስ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ሸቶታት እዚ ብዘይ ዝኾነ መጋበሪ ከይብጻሕ መጠንቀቕታ ኣብ ዝሃቡሉ ምምሕያሽ ንምግባር ውጽኢታዊ መገድታት ንምርካብ "ጥዑይ ናይ ምምሃዝ ክእለት" ክምዕብል ጻውዒት ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ማራኽን ተወዳዳርን" ንምዃን ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም ግን ከኣ ውፉያት መምህራን ምምራጽ ከም ዘድሊ ብምግላጽ፣ ካቶሊካውያን ተቕዋማት ሥነ ትምህርቲ "መገድታት ሓድነት ብምህናጽ፣ መምህራን ከም ብክፋል፣ ዘየድልዩ ሃልክታት ብምውጋድ፣ ንጥፈታት ብጥንቃቐ ብምሥራዕ ግዜኡ ዝሓለፎ ልምድታትን ውጥናትን ብምሕዳግ" ንሃብተን ብግቡእ ክጥቀማሉ ከም ዘለወን ገለጹ።

ተልእኾን ሕብረ-ባህላውን ተቛሒታት መንበረ ጥበብ ኡርባንያና

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምዝዛም ናይቲ ዘቕረብዎ ቃለ ማዕዳን፣ ነቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ኡርባናና ዘሎ "ተልእኾኣውን ሕብረ-ባህላውን ተቛሒታት" ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ እዚ ድማ ጐሶትን -ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣወዳትን ኣዋልድን ከምኡውን ነቶም ንክርስትያናዊ መልእኽቲ ምስ እተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ብዝሰማማዕ መገዲ ከመሓላልፍዎ ዝኽእሉ ተራ ምእመናን ከዳልውዎም ከም ዘለዎም ኣጕልሑ።

"ባህሊ ወንጌላውነት ንምስባኽን ወንጌል ንምስራጽን ልኡኻት ከም ዝዀኑ ዝፈልጡ ጓሶት ነፍሳትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣወዳትን ኣዋልድን ተራ ምእመናንን  ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዘድልዩና! እዚ ኽልተ ነገራት እዚ ወትሩ ብሓባር እዩ ዝስራሕ፣ እዚ ኸኣ ስብከተ ወንጌልን ንወንጌል ኣብ ባህሊ ምስራጽን እዩ።"

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እተፈላለየ ጂኦግራፍያውን ባህላውን ዞባታት ብፍላይ ከኣ ኣብ እስያን ቻይናን ዘተኰረ ዝያዳ ምርምር ዝግበረሉ ማእከላት ከምኡውን ኣብ ዞባታት ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዝርከቡ ዘርኣ ክህነታትን ተቕዋማት ሥነ መለኮትን ምስዚ መንበረ ጥበብ ምትእስሳር ከም ዝህሉ ዝገብር ዝያዳ ምርምር ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

31 August 2024, 16:48