ҽ

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይከኣል ነገር የልቦን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብቲ ብክርስቶስ እተዓወተ ድሕነት ዝገብሮ ዕዮ ብምስትንታን ድሕሪቲ ናይ ወርሒ ሓምለ ዕረፍቶም ኣስተምህሮ ኣመሓላሊፎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ወርሒ ሰነ ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሰሙን ነቲ ኣቐዲሞም ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ትምህተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ መንፈስን እታ መርዓት ብምቕጻል ብዛዕባ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣስተምሃሩ ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዛዕባ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍጥረት ድሕሪ ምስትንታን፣ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ድሕነት ዘለዎ ግደ ንምስትንታን ናብ ሓድሽ ኪዳን ምስ ብምባል ናይዚ ሰሙን ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለገሱ።

መንፈስ ቅዱስን ምስጢረ ሥጋዌን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ካብቲ ኢየሱስ "ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ሥጋ ለቢሱ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ሰብ ኰነ" ዝብል ኣዋጅ ኣትሒዞም ቀንዲ ፍረ ነገር ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምስጢረ ሥጋዌ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘስተምሃረዎ እዚ "እምበኣር ኵሎም ክርስትያን ምእመናን ብሓድነት ዝምስክርዎ ተኣምኖ ሃይምኖት ከም ምዃኑ፣ እዚ ኢቁመናዊ ናይ ውሕደት ሓዊ ኢዩ" በሉ። ከምኡ ውን እዚ ሓቂ እዚ ኣብ መዓልታዊ መንፈሳውነት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብቲ ትውፊታዊ እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ተንጸባሪቑ ንረኽቦ ።

ብራት ድንግል ማርያም ብቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ
ብራት ድንግል ማርያም ብቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ ቤተ-ክርስትያን ኢያ

ኣብ መንጎ ቅኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ምምስሳል እውን መሰረት ይዀነና ኢዩ፣ እዚ ድማ ከምቲ ካልኣይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ቫቲካን ዝገበሮ ምምስሳል ኢዩ - ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንክርስቶስ ንመጀመርታ ከም ዝጸነሰቶን ዝወለደቶን፣ ቤተ-ክርስትያን እውን ንክርስቶስ "ከም ቃል ኣምላኽ ብእምነት ስለእትቕበሊ ንሳ ውን ኣደ ትኾኖ ኢያ።" እዛ ቤተ-ክርስትያን መጀመርታ ንቃል ኣምላኽ እተዘይተቐበለቶ "ህይወታን ስብከታን መኻን" ኢዩ ዝኸውን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም ብዛዕባ እቲ ድንግል ማርያም ኣብ ግዜ ብሥራት "እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል?" ክትብል ዘቕርረበቶ ሕቶ፣ ቤተ-ክርስትያን እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ብምሕታት - "ነዛ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ሰናይ ናብራ ንእትምነ ዘላ ዓለም፣ ከመይ ጌርካና ኢና ንኢየሱስ ክርስቶስን ድሕነቱን ክንሰብከላ እንኽእል?"

'ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይከኣል ነገር የልቦን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብምጥቃስ "ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም" ክብሉ መለሱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስትያን ንቕድሚት ክትግስግስ ኣይትኽእልን እያ፣ ከምኡ ውን ቤተ ክርስትያን ክትዓቢ ኣይትኽእልን እያ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ቤተ ክርስትያን  ክትሰብኽ ኣይትኽእልን እያ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "እቲ ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ብሓፈሻ ዝንገር ነገራት ኩሉ ንነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ምእመን ዚምልከት ሓሳባት እዩ" በሉ። ቀጺሎም ድማ ቅዱስነቶም "ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣብ ዝዀነ ዅነታት" ምስ ክንርከብ እንከሎና ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንቅድስቲ ድንግል ማርያም "ንኣምላኽ ዘይከኣሎ ነገር የልቦን!" ብምባል ዝነገራ ቓላት ብምዝካር "በዚ ዜጸናንዕ ሓሳብ እዚ ጕዕዞና ኽንቅጽል" ኣሎና። "ነዚ እንተ ኣሚንናሉ ኸኣ ተኣምራት ክንገብር ክንክእል ኢና። ንኣምላኽ ፈጺሙ ዘይከኣል ነገር የልቦን" ክብሉ ድማ ኣስተምህቶኦም ዛዘሙ ።

07 August 2024, 17:59