ҽ

Pictures of children and black flags are displayed, after children and teens were killed at a soccer pitch by a rocket, near Majdal Shams Pictures of children and black flags are displayed, after children and teens were killed at a soccer pitch by a rocket, near Majdal Shams 

ር. ሊ. ጳ.፦ ንቃል ኣምላኽ-ሰላም ኣይንዕገት፣ ውግእ ስዕረት እዩ!

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ንዓመጽ ውን ኰነኑ፣ ኣብ ቬንዝዌላ ሰላማዊ ዘተ ክካየድ ተማሕጸኑ፣ ኣብ ህንዲ ምእንቲ ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ጸሎት ክዓርግ ተማሕጸኑ ከምኡ ውን ነቲ ኣዋጅ ብጸዕናኡ እተኣወጀ ሊባኖሳዊ ፓትርያክ እስተፋኖ ዱዋይሂ ዘከሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታትን እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታትን፣ ካብ ቃዛን እስራኤልን ሓሊፉ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይዝርጋሕ ዘለዎ ሓደጋን ብጣዕሚ ከም ዘተሓሳስቦም ገለጹ። ደድሕሪ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘጋጠመ ናይ ቀረባ እዋን ፍጻመታት "ብፍላይ ዓመጻ ዝመልኦን ደማውን" ዝዀነ ግጭት ዝያዳ ከየስፋሕፍሕ ተስፋ ብምግባር ጸለዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ምእንቲ ዅሎም እቶም ግዳያት "ብፍላይ ነቶም ንጹሃት ቈልዑን ህጻናትን " ከምኡ ውን "ነቶም ኣብ ፍልስጥኤም እስራኤልን ሊባኖስን ዝርከቡ ህዝቢ" ጸሎት ኣዕሪጐም ።

ዕላማ ዘለዎ መጥቃዕትን ቅትለትን ፈጺሙ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እውን "እቲ ኣብ ቃዛ ኣብ ኵሉ ግንባራት ውግእ  ዝቕጽል ዘሎ ብህጹጽ ደው ንኽብል ከምኡውን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ናጻ ምእንቲ ኽወጹ ነቲ ዘተ ሰላም ንምቕጻል ትብዓት ክገብሩ፣" ሰባት ውን ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት ክረኽቡ  ጻውዒት ኣቕረቡ። ቦምባታትን ቅትለትን ከምኡውን ዓመጻ ምንም ዕላማ የብሉን ክብሉ ውን ወሰኹ።

"መጥቃዕቲ እንተላይ ነቶም ዕላማ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ከምኡውን ቅትለት ምንም መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ድማ ንመገዲ ፍትሒን ንመገዲ ሰላም ኣብ ምስዓብ ዘይኰነስ ዝያዳ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን እዮም ዜምጽኡ ። ኣቱም ኣሕዋትን ኣሓትን ይኣኽለኩም! እኹል እዩ! ንቃል ናይ ኣምላኽ ሰላም ኣይትዕገትዎ፣ የግዳስ መጻኢ እታ ቅድስቲ መሬትን ማእከላይ ምብራቕን መላእ ዓለምን ኣውሕሱ! ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ!" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ኣብ ቬንዝዌላ ኵሎም ሰልፍታት ንሓቂ ሃሰስ ክብሉ ኣለዎም

ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ዘጠራጥር ዘሎ ዳግመ ምርጫ ርእሰ ብሔር ማዱሮ፣ ሃገረ ቬንዝዌላ "ኣብ ወሳኒ ዅነታት ኢያ ዘላ" ብምባል ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ።

"ኵሎም እቶም ሰልፍታት ንሓቂ ሃሰስ ክብሉን ርእሶም ክገትኡን፣ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓመጻ ክርሕቑን ንዘለዎም ዘይምርድዳእ ብዘተ ክፈትሑ፣ ከምኡውን ንረብሓታት ሰልፍታቶም ዘይኰነስ ንሓቀይና ረብሓ ህዝቢ ክከናኸኑ ልባዊ ምሕጽንታኦም አቕረቡ።"

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ህንዲ ግዳያት ዝናም ዝዀኑ ዘቕረብዎ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ኮሮሞቶ ንኸተማልደሎም ብምምሕጻን ከምኡውን ናብ ኣማላድነት ብፁዕ ሆሴ ግሬጎርዮ ሄርናንደዝ ሕድሪ ምውፋዮም ኣስዒቦም ውን ነቶም ኣብ ሃገረ ህንዲ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኬረላ ዝነበሩ ሕዝቢ "ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናም ብርቱዕ ምህማም ምድሪ ብዘስዓቦ፣ ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ብምእታው ካብ መረበቶም ስለ እተመዛበሉ ሰባትን ከምኡውን ከቢድ ጕድኣት ስለ ዘስዓበ" ዘለዎም ልባዊ ሻቕሎ ገለጹሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ምእመናን ምስኦም ሓቢሮም ክጽልዩ ውን ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ምእንቲ ህይወቶም ዝሰኣኑን ንዅሎም እቶም ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዕናዊ መዓት እተጐድኡ ሰባትን ክዝክሩ ኣተባብዕዎም።

ፍትሕን ሓቅን ነቶም ግዳያት ነትጒ ኣብ ወደብ በይሩት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሊባኖስ ብፅዕናኡ እተኣወጀ ማሮናዊ ፓትርያክ እስቴፋኖ ዱዋይሂ እውን ዘኪሮም ። ካብ 1670 ክሳዕ 1704 ንቤተ-ክርስትያን ማሮናውያን ኣብ ዝመርሓሉ እዋን "መምህር እምነትን ትጉህ ጓሳን ወትሩ ኣብ ጐድኒ እቲ ህዝቢ ብምዃን ናይ ተስፋ ምስክር ኢዩ ዝነበረ" ውን ክብሉ መስከሩ ።

"ሎሚ እውን እንተ ዀነ ህዝቢ ሊባኖስ ብዙሕ መከራ ይወርዶም ኣሎ። ብፍላይ ኩነታት ናይ እቶም ስድራቤታት ግዳያት እቲ ኣብ ወደብ በይሩት ዘጋጠመ ነትጕ ዝኾኑ የተሓሳስበኒ ኣሎ ። ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፍትሕን ሓቅን ኪርከብ ተስፋ እገብር" እውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ፣ ኣብዛ ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቪያኒ ዝዝከርላ መዓልቲ ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ሃገራት እዚ ካህን በዓል ፓሪሽ ዝኸብረላ ዕለት "ንዅሎም እቶም ቅንእን ልግስን ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብዙሕ ስቓይ እናኣጋጠሞም ክንሱ ገዛእ ርእሶም ንኣምላኽን ንህዝቡን ዝውፍዩ ዘለዉ ካህናት ጓሶት ነፍሳት" ምስጋናይ እገልጸሎም ክብሉ ቃል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

05 August 2024, 17:52