ҽ

BOSNIA-ITALY-VATICAN-RELIGION-CHRISTIANITY BOSNIA-ITALY-VATICAN-RELIGION-CHRISTIANITY  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ፌስቲቫል መንእሰያት ሜጅጐርየ፦ ከም ማርያም ሓቀይናታት ኣርድእቲ ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ፌስቲቫል መንእሰያት ሜጅጎርየ እተሳተፉ ምእመናን ንቃል ኣምላኽ ብምቕባልን ተልእኾኦም ብተኣማንነት ብምፍጻምን ንማርያም ክመስሉ ጻውዒት ብምቕራብ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 2 ነሓሰ ነቶም ካብ ዕለት 1-6 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 35 ፌቲቫል መንእሰያት ሜጅጎርየ ዝሳተፉ ዝለዉ ምእመናን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ንዅሎም እቶም ኣብቲ ፌስቲቫል እተሳተፉ "ማርያም ሰናይ ኽፍሊ መሪጻ እያ" ዝብል ፍረ ነገር ከስተንትኑ ኣባኡ ክርከቡ ብምኽኣሎም ከም ዘሓጐሶም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቅዉም ሓሳብ እዚ ተመርኲሶም መንእሰያት ንመንፈሳዊ ዕቤቶምን ንቤተ-ክርስትያንን ንመላእ ዓለምን ዘለዎም መንፈሳዊ ቈራጽነትን ዘመልክት ገለ ሓሳባት ኣካፈልዎም።

ሓቀይናታት ደቀ መዛሙርቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመልእኽቶም እቶም "እሞናት ደቀ መዛሙርቲ" ቢሎም ኣርእስቲ ብምሃብ መልእኽቶም ኣወፈዩሎም። ከምዚ ብምባል ድማ ገለጹ - "በቲ ንማርታ ሓብቲ ኣልኣዛርን ማርያምን ዝበላ ቃላት እሙን ወደ መዝሙር ምዃን ማለት ንቓል ጐይታ ምስማዕ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ። ማርያም፣ ጐይታ ናብ ቤታ ኸም ዝመጸ ፈለጠት ፣ ንሱ ግና ናብ ልባ ኺኣቱ ኢዩ ዝደሊ ዝነበረ ። ንእኡ ኽትሰምዖ ኣብ እግሩ ኾፍ ኢላ ኸኣ ነቲ 'ካብኣ ዘይውሰድ' ሰናይ ምክሊት ሐረየት።"

ከም ማርያም

ካልእ ሓቀይና ጓል-መዝሙር ከኣ እታ በዓልቲ ናዝሬት ማርያም እያ ። ኣምላኽ ናብ ቤታ ከም ዝኣተወን ከም እተዛረባን ድማ ገለጹ ። ንቃል ኣምላኽ ኣብ ልባ ተቐበለቶ ኣብቲ መደባቱ ድማ ተሳተፈት ኣምላኽ ንወዱ ኺልእኽ እንከሎ ድማ ምሉእ ብምሉእ ርእሳ ኣወፈየትሉ ። ኢየሱስ ንዓለም ኪብጀዋ እንከሎ ንሳ ኣብ እግሪ መስቀል ደው ኢላ ነበረትም፣ ኣብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ቤተ-ክርስትያን ክትውለድ ምስቶም ሓዋርያት ነብረት። ድንግል ማርያም ቃል ኣምላኽ ብምቕባል ተልእኾኣ ብተኣማንነት ዝፈጸመት ነቲ ዝበለጸ ሰናይ ዝኾነ ክፍሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓረየት ኢያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ከምኡ ውን ፍቑራት ኣዕሩኸይ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክትኰኑ ኢኹም ተጸዊዕኩም" በልዎም ። ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ጐይታ ዀይኖም ቃል ኣምላኽ ከስተንትኑ ድማ ዓደምዎም፣ እቲ እግዚአብሔር ኣቦ ንነፍሲ ወከፎም ዘለዎ ውጥን ንኽፈልጡን ንኽተሓባበሩን ኣእምሮኦምን ልቦምን ክኸፍቱ ድማ ተምሕጸንዎም። ኣስዕብ ኣቢሎም  "በዚ ምኽንያት እዚ ምስ ወንጌል ጥቡቕ ርክብ ክትምስርቱን፣ ምሳኻትኩም ክትማልእዎን አተባብዓኩም ኣለኹ፣ ወንጌል ድማ ነታ እትስዕባ መገዲ እትሕብር ኮምፓስ ኰይና ተገልግለኹም ኢያ" በልዎም።

ብመንፈስ ጽኑዓትን ጥበበይናታትን ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ቃል ኣምላኽ ምስባኽ ንኻህናትን ንሰብ ውፉይ ህይወትን ጥራይ ዘይኰነስ ንዓኻትኩም እውን ግዴታ ስለ ዝዀነ፣ ሓደ ሓቀይና ወደ መዝሙር ብመንፈስን ጥበብን ሓያል ብምዃን ናይ ግድን ንመንግስቲ ኣምላኽ ናብ ካልኦት ዘመሓላልፍ ክኸውን ኣለዎ፣" ብምባል ኣመልከቱሎም። ንነፍሲ ወከፍ ኣብኡ እተረኽቡ መንእሰያት ኣብ ስድራ ቤቶም፣ ኣብ ቤትትምህርቶም፣ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ከምኡውን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ምስ ክርስቶስ ንኽዘራረቡ ትብዓት ንኽህልዎ ኣበራትዕዎም ። "ብፍላይ ኣብ ህይወትኩም  ኣብ መዓልታዊ ተጸምዶኹምን ከምኡውን ኣብ ኵሉ ጭቡጥ ውሳኔታትኩምን ምስ ወንጌል ብምስምማዕ ህላወ ክርስቶስ ብምንጽብራቕ ኣብ ህይወትኩም ንበርዎ" ክብሉ ጸሓፉሎም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንነፍሲ ወከፍ ኣብኡ እተረኽበ መንእሰይ ነታ ኣዴና ማርያም ኣደ ቤተ-ክርስትያንን "ምስ ኣምላኽ ንኽትዘራረብን ብዛዕባ ኣምላኽ ንኽንዛረብን ብርታዐን ጥበብን ምእንቲ ከተማልደልኩም" ናብኣ አወፍየኩም ኣሎኹ ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ

05 August 2024, 17:44