ҽ

2022.04.12 Santuario Mariano Berdychiv (Ucraina) 2022.04.12 Santuario Mariano Berdychiv (Ucraina) 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ጕዕዞ ሰላም ንካርዲላ ፓሮሊን ናብ ዩክረይን ለኣኽዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዝመስእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 21 ሓምለ ኣብ ቤተ-መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘበርዲኪፍ ክካየድ እተመደበ ናይታ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽትለት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ዩክረይን ዝገበርዎ ናይ መዕጸዊ ጽምብል ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ክሳተፉ ሾምዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ነቲ ብዕለት 21 ሓምለ ዝካይድዎ ናይታ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዩክረይን ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ዩክረይን እትርከብ ቤተ-መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘበርዲኪፍ ዝገበርዎ ንግደት ንምዝዛም ኣብ ዝካየድ ጽምብል ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወኪሎም ክሳተፉ ኢዮም።

እቲ ኣቐዲሙ ኣብዛ ዓመት እዚኣ እተኣወጀ ተልእኾ ካርዲናል ፓሮሊን ብቋንቋ ላቲን እተጻሕፈ ወግዓዊ መልእኽቲ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ተወካሊ ተባሂሎም ከም እተሾሙ ዝዝከር ኢዩ ። እታ ብቅዱስ ኣቦና እተላእከት ደብዳበ ንኽልተ ኻህናት ማለት ንክቡር ኣባ ሩስላን ሚኻልኪፍ ሓለቓ ዘርኣ ክህነት ኪዪቭ ሰበኻ ዠቶሚርን ከምኡ ውን ንክቡር ኣባ ኣንድርያ ለሆቪች ጸሓፊ መትሮፖሊሳዊ ሊቀ - ጳጳሳት ሰበኻ ለቪፍ ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ድማ ንካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ተልእኾኦም ከሰንይዎም መዚዞሞም ኣለዉ ።

ዘመናት ጸጋን ንግደትን

በርዲኪፍ ካብ 2011 ጅመሩ ብወግዒ ሃገራዊ ቤተ መቕደስ እኳ እንተ ተሰይመ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ነቲ ንዘመናት ናብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘበርዲኪፍ ዚግበር ዝነበረ ዘመናት ዘቍጸረ ልማድ ይዝክርዎ ። ብ1630  ያኑሽ ቲሽከቪች ኣብ ክየቭ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ከም ምስጋና ናይቲ ኻብ መግዛእቲ ታታራውያን ዝረኸብዎ ሓርነት ኣባኡ ገዳም መስረተ ኣብ መበል 16 ዘመን ከኣ ኣይቆና ኣደ ኣምላኽ ቅድስተ ማርያም "ዘውርጪ" ኣወፈየሎም ። ነዊሕ ከይጸንሐ እዚ መንፈሳውነት እዚ ናብ ዝተረፈ ኽፋል እታ ሃገር ተዘርግሐ፣ እቶም ነጋድያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ተኣምራዊ ምስለ እግዝእትነ ማርያም ተምበርኪኾም ክቐርቡ ብሃንቀውታ ይገብርዎ ነበሩ።

ውግእ ንኼብቅዕ ምጽላዩ

ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብዚ "ሓዘንን ትካዘን ዝመልኦ እዋን ውግእ" ዩክረይን ንድንግል ፍሉይ ጸጋ ማለት ጸጋ ሰላም ክተማልደላ ትጽውዓ ኣላ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም - "ንንግሥተ ሰላም ነቲ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለምንን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ከተቋርጾ ብቐጻሊ ኽትልምንዋ ኢኹም፣ ከመይሲ ነቲ ንዕቡያት ዘትሕትን ትሑታት ዘልዕልን ኣምላኽ ስለ ዘስመረቶ ካብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብነት ኮይና ገዛእ ርእሳ ክንዲ ዘወፈየት በረኸት ክትነና ትኽእል ኢያ።"

ኣብታ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቡራኬ ኦም ብምክፋል ኢያ እትዛዘም "ኣብዚ ነቶም ፍቑራት ህዝቢ ዩክረይን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ሕያውነትን ቅርበርን የድልየም ኣሎ" ብምባል ውን ትድምድም።

15 July 2024, 16:43