ҽ

2024.07.10 Partecipanti AI Ethics for Peace a Hiroshina 2024.07.10 Partecipanti AI Ethics for Peace a Hiroshina 

ር. ሊ. ጳ.፦ ብዛዕባ ምዕባለ ሓደገኛ ኣጽዋር ዳግመ ግምት ይገበር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብቲ ንዝኽሪ ሂሮሺማ እተገብረ "ስነ-ምግባር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሰላም" ናብ ዘርእስቱ ዋዕላ፣ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ እዚ ድማ ኣብታ ብኣቶማዊ ቦምብ ብዘሕዝን ፍጻመ እተጠቕዐት ከተማ ብዛዕባ ሰላም ንምምይያጥ ዘለዎ ምሳልያዊ ኣገዳስነት ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖት ብ9ን 10ን ሓምለ ኣብ ሂሮሺማ ጃፓን ብዛዕባ "ስነ-ምግባር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሰላም" ንምምይያጥ ኣብ ዝተኣከቡሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ነሓሰ 1945 ብዘንኪ እቲ ምሉእ ብምሉእ ዘዕኑ ኣቶማዊ ቦምብ ክሳዕ ሕጂ ዘሳቐዮ ዘለው ሰላማውያን ሰባት ኣመልኪቶም ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተወዕሎት ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ሰላምን

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ሰላምን ልዕሊ ኹሉ ኣገደስቲ ዝኾኑ ኽልተ ጕዳያት ምዃኖም ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ 7 ሃገራት ኣብ ፑልያ ኢጣልያ ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤ፣ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘቕረብዎ ዛዕባ ናይ ቀረባ ግዜ ጻውዒቶም ውን ዘከሩ ። ኣብቲ ኣኼባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንችስኮ ኣብ ኤሌክሮኒካዊ መሳርሒታት ኣብ ክንዲ እትምርኰሰ ውሳነ ምግባር፣ ሓላፍነት ውሳኔ ምውሳድ ኣብ ኢድ ደቂ ሰባት ክተርፍ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ከምዚ ድማ በሉ - "ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ግቡእ መዐቀኒታት ወይ ኣብ ኣሃዛዊ መዐቀኒታት ተመርኲሱ ክንዲ ዝኣዩ፣ ካብ ብእተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ተክኒካዊ ምርጫ ክዓዪ ዝከአል ኢዩ። ይኹን እምበር ደቅሰብ ክመርጹ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ልባዊ ወይ ልቦናዊ ውሳኔ እውን ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።"

 ሓቀይና ውሳነታት

ሓቀይና ውሳነታት ንምግባር ሰብኣዊ ጥበብን ገምጋምን ከም ዜድሊ ኣብ ምስትውዓልን ልቦናን ወድ-ሰብ እምብዛ ምውካል ከኣ ንሰብኣዊ ኽብረት ኬዳኽሞ ኸም ዝኽእል ገለጹ።

ኣብ ሄሮሺማ ብልክዕ ዝረኣናዮ ነገር እዚ ኢዩ፣ ሎሚ እውን ንርእዮ ኣሎና "ካብቲ ንዓለምና ዝትንክፍ ዘሎ ግጭታት እንተላይ ጽልኢ ውግእ ብዛዕባ እዚ ተክኖሎጂ እዚ ዝያዳ ንሰምዕ ኣሎና።" በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ሓድነት ስለ ዘሎና፣ ነቲ ዕጥቃዊ ውግእ ኣብ ግምት ብምእታው ከም 'ሓደገይናነት ኣውቶሚካዊ ኣጽዋር' ዝኣመሰለ መሳርሒታት ብዛዕባ ምምሕያሽን ምጥቃምን ህጹጽ ጉዳይ ምዃኑ ንዓለም ከነዘኻኽራ ኣሎና" ብምባል ገለጹ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ከም ብሓድሽ "ዋላ ሓንቲ ሰብ ዝሰርሖ መሳርሒ ንህይወት ሰብ ክትቀትል ውሳኔ ናይ ምውሳድ ክእልት ክህልዎ የብሉን" ድማ በሉ።

ኣበርክቶ ኵሎም ደቅሰባት ኣብ ቅኑዕ ማዕቀናት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕልኽላኻት ክንምርምሮ እንከሎና "ነቲ ባህላዊ ሃብቲ ህዝብታትን ሃይማኖታትን ኣብ ምምሕዳር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘለዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና" ክብሉ ውን ኣመልከቱ። እዚ ኸኣ "ነቲ ተክኖሎጅያዊ ምህዞታት ብጥበብ ንምምሕያሽ ዝተገብረ ቘራጽነት ዕዉት ንምግባር ዘኽእል ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነፍሲ ወከፍና መሳርሒ ሰላም ዓለም ክንከውን ንኽእል ኢና" ቢሎም ቅድሚ ምጽላዮም፣ ነቲ ኣኼባ "ሕውነትን ምትሕብባርን ኣብ ፈርያምነት" ኸም ዘብጽሕ ተስፋኦም ገለጹ።

12 July 2024, 16:11