ҽ

ር. ሊ. ጳ.፦ ናይ እምነት 'ብድሆ' የድልየና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መበል 50 ዙር ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ቅነ ማሕበረሰብ ኣብ ትሪስተ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ዓለም ናብ ታሪኽ ወድሰብ ሰርሲሩ ዝኣቱ ዘርኢ ናይ ሓዳስ ዓለም ዝኸውን፣ ናይ ተስፋ መባዅዕትን ዝኸውን "ናይ እምነት ብድሆ" ከም ዘድልያ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ትሪየስተ ንመበል 50 ዙር ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ቅነ ማሕበረሰብ ንምጽንባል ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ዓለም ሕጂ ዘድልያ ነገር እንተ ኣሎ "ናይ እምነት ብድሆ" ምዃኑ ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ በቶም ደቂ ዓዱ ብምኽንያት ሰብኣውነቱ ከም እተነጽገ ብምግላጽ ኣስተንትኖኦም ጀመሩ ። ነቲ ተራ መዓልታዊ ህይወቱ ብምርኣይ ከም "ወዲ እቲ ጸራቢ ዮሴፍ" ጥራይ ገይሮም እዮም ዘለልይዎ ዝነበሩ፣ ምንጪ ጥበቡን ተኣምራቱን ከኣ ክርድእዎ ኣይከኣሉን ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "እቲ ብርቱዕን ሓያልን ኣምላኽ ክትርድኦ ዝከዐልን ማራኽን እዩ! " በሉ ። ብኣንጻሩ ግና እቲ ድኹም ኣምላኽ፣ እቲ ኣብ መስቀል ክሳዕ ዚመውት ዝኾነ፣ ከምቲ ጐይታትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ንኻልኦት ህይወትና ምእንቲ ከነወፊ ብድሆ ዝኾነና ኣምላኽ ግና ዝቕልሰናን ዝዕንቅፈናን "ዘይሰማምዓና ኣምላኽ" ኢዩ።

ናይ እምነት ብልሽውና

እንተዀነ ግን እቲ ሎሚ ዘድሊ ዘሎ "ናይ እምነት ብድሆ" ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣመልኪቶም። ንጸገማት እዛ ዓለም እዚኣ ዘይግደስ ዘይኰነስ ኣብታ ኣብ ታሪኽ ኣትያ ንህይወት ሰባት እትትንክፍ ከምኡ ውን ንሓዳስ ዓለም ዘርኢ ዝኸውንን መባዅዕቲ ተስፋ እትኸውንን “ናይ እምነት ብድሆ” ኢዩ ዘድልየና ዘሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ኣምላኽ ብልክዕ "ኣብ ናይ ጸልማት ኵርናዓት ህይወትናን ከተማታትናን" ከምኡ ውን ኣብ መንጎ እቶም "ዝረስዑን እተደርበዩን" ከም ዝርከብ ኣትሪሮም ገለጹ።

መብዛሕትኡ ግዜ ብሒደት ነገራት ኢና እንጽየፍ ኣብ ክንዳኡስ "ኣብ ቅድሚ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እከይ ናይ ህይወትን ውርደትን " ክንሓርቕ ከም ዘሎና ገለጹ ።

ብእከይ እዛ ዓለም እዚኣ ምዕንቃፍ

ልክዕ ከም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተነጽገን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እተፈተነ ንተልእኾኡ እሙን ኰይኑ ዝቐጸለ ንሕና ውን ክርስትያን ምእመናን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ወይ ኵነታት ነብያትን መሰኻኽርን መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ተጸዊዕና ኢና በሉ።

"ብኢየሱስ ኣይንጽየፍ፣ የግዳስ በቲ ህይወት ኣብ ሃደጋ እትርከበሉ ዘላን ዝቖሰለትሉን እትቕተለሉን ዘላ ኵነታት ንቆጣዕ ።"

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ንትንቢት ናይ ወንጌል ኣብ ቅድሚ ብቃላትና፣ ብግብርናን ብምርጫታትና ውን ከይተረፈ ሥጋ ነልብሶ ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ትሪየስተ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ዘቕረብዎ ፍሉይ ጻውዒት ንምእመናን "ከየባተኽኩም ስርሑን ጸዓሩን! ንወንጌል ናይ ተስፋ ኣብ ምስባኽ ግንባር ቀደም ኩኑ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ መገዲ ባልካን ዝመጹን ከምኡውን ነቶም ብኣካል ኮነ ወይ ብመንፈስ ክተባብዑን ክጸናንዑን ዘድልዮም ሰባት ንምዝርጋሕ ደው በሉ" ክብሉ ጻውዒት ኣቅረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኵላትና በቲ ኣቦና ዝኾነ ኣምላኽ ከም እንፍቀር ብምግንዛብ ንዅሉ ሰብ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ጌርና ኽንነብር ከም እንኽእል ብምግንዛብ ኵሉ ሰብ ብሓባር ኪዓዪ ጻውዒት ብምቕራብ ስብከቶም ዛዘመ ።

08 July 2024, 15:26