ҽ

2024.07.01 ፍራንቸስኮ፥ ናይ 15 ብጹዓን ውሳነ ኣዋጅ ቅድስና ድምጺ ንምሃብ ዝመርሕዎ ዓውደ ጉባኤ ካርዲናላት 2024.07.01 ፍራንቸስኮ፥ ናይ 15 ብጹዓን ውሳነ ኣዋጅ ቅድስና ድምጺ ንምሃብ ዝመርሕዎ ዓውደ ጉባኤ ካርዲናላት  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍራንቸስኮ፥ ናይ 15 ብጹዓን ውሳነ ኣዋጅ ቅድስና ድምጺ ንምሃብ ዝመርሕዎ ዓውደ ጉባኤ ካርዲናላት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሓምለ ካርሎስ ኣኲቲስን ካልኦት 14 ብጹዓን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ናይ ምእዋጅ ውሳኔ ንኸመሓላልፉ ኣብ ሮማ ዝቕመጡ ካርዲናላትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካርዲናላት ዘሳተፈ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ቅድሚ ምክያዱ ጸሎት ሰዓታት ከም ዝመርሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ናይቶም ቅድስና ንኽእወጀሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ 15 ብጹዓን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ሰነድ ንጉባኤ ካርዲናላት ከም ዘቕረቡን፡ ድሕሪ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ጉባኤ ካርዲናላት ብዝሃብዎ ድምጺ ናይቶም 15 ብጹዕና ቅድስና እዋጅ ሰነድ ከም ዘጽደቑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብ ዕለት 9 - 10 ሓምለ 1860 ዓ.ም ምሸት ሸሞንተ ፍራንቸስካውያን መነኮሳትን ሰለስተ ዓለማውያን ምእመናን ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ገዳም ፍራንቸስካውያን ኣብቲ እዋን ሰዓብቲ ሃይማኖት ድሩዚ ብዘለዓዓልዎ ናዕቢ ኣንጻር ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ከም ዝኾኑን፡ ንሳቶም ኣማኑኤል ሩይዝን ብጾቱን ሓዊሱ ኣሕው ፍራንቸስካውያን፡ ዓብደል-ሙቲን ራፋኤል ማሳብኪን ዝርከብዎም ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ብጹዓን ንዝበልዎም እቲ ዕለት 1 ሓምለ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዝተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካርዲናላት ድም ንኽህብሉ መደበይና ዕላዊ ዓውደ ጉባኤ ምክያዱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ቅዱስ

ከምኡ እውን ካርዲናላት ንብጹዓን ሰለስተ መስረቲ ገዳማውያን ማሕበራትን ወዲ 15 ዓመት ሃንዳሲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ 1991 ዓ.ም. ካብ ጣልያናውያን ወለዲ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝተወልደ ብጹዕ ካርሎ ኣኩቲስ፡ ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ሞንዛ ኢጣልያ ብዘልምስ ሕማም ምኽንያት ኣብ 2006 ዓ.ም. ንዝዓረፈ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክትውጀሉ ዝቐረበ ሰነድ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዘጽደቕዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መስረትቲ ገዳማውያን ማሕበራት

ካብቶም ሰለስተ መስረትቲ ማሕበራት ገዳማውያን፡ እቶም ክልተ ጣልያናውያን – ኣባ ጁሰፐ ኣለማኖን ኤሌና ጉየራን – እታ ሳልሰይቲ ድማ ካናዳዊት ማሪ - ሊዮኒ ፓራዲስ መስራቲት ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ስድራ ቤት ከም ዝኾነትን፡ ኣባ ጁሰፐ ኣላማኖ፡ መስራቲ ማሕበር ኮንሶላታ ልኡካነ ወንጌልን ማሕበር ደናግል ኮንሶላታን ክኸውን እንከሎ፡ ኢጣልያዊት ኤሌና ጉየራ መስራቲት ማሕበር ውፉያን ንመንፈስ ቅዱስ ምዃና ዜና ቫቲካን የመላኽት።  

ጉባኤ ካርዲናላት

እቲ ዕለት 1 ሓምለ ኣብቲ ናይ ቅድስና ኣዋጅ ውሳኔ ዛዕባ ዝገበረ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዝተኻየደ መደበይና ዕላዊ ዓውደ ኣኼባ ካርዲናላት እቶም ኣብ ሮማ ዝነብሩን ብኣጋጣሚ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካርዲናላት ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 July 2024, 16:42