ҽ

2024.06.14 G7 - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 7 ምስ መራሕቲ ሃገራት ተራኺቦም 2024.06.14 G7 - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 7 ምስ መራሕቲ ሃገራት ተራኺቦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 7 ምስ መራሕቲ ሃገራት ተራኺቦም

ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዞባ ፑሊያ ካብ ዕለት 13 – 15 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ጉጅለ 7 ሃገራት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዕለት 14 ሰነ ኣብቲ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝመኸረ መድረኽ ተረኺቦም ቅድምን ደሓርን ዘስምዕዎ መደረ ምስቶ ኣብቲ ዓወ ጉባኤ ዝተሳተፋ መራሕቲ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ዩክሬን፣ ህንዲ፣ ኬንያ፣ ፈረንሳ፣ ቱርኪ፣ ካናዳን ብራዚልን ሓደ ብሓደ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 14 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 7 ሃገራት ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳጳሳት ቅድሚ መደረኮ ይኹን ድሕሪ መደረኦም ምስ መራሕቲ ዓለም ብርክት ዝበሉ ሓደ ብሓደ ክሌኣዊ ርክባት ከም ዘካየዱን ቅዱስነቶም ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ ምስ ናይ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዋና ኣመሓዳሪት ክሪስታሊና ጆርጂቫ፡ ምስ ርእሰ ብሔር ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ምስ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን፡ ምስ መራሔ መግንስቲ ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ብውልቂ ክሌኣዊ ርክባት ከም ዘካየዱን ድሕሪ መደረኦም ድማ ምስ ናይ ኬንያ ርእሰ ብሔር ዊልያም ሳሞይ ሩቶ፡ ምስ ናይ ህንዲ መራሔ መንግስቲ ናሬንድራ ሞዲ፡ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን፡ ምስ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉዊዝ ኢግናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ምስ ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ከም እተራኸቡን እቲ ዋዕላ ጉጅለ ሸውዓት ሃገራት ዕለት 15 ሰነ ኣብ ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ምዕባለን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝክየድ ዘሎ ኲናትን ጸኣት ስደተይናታትን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ድሕሪ ዘካየዶ ምይይጥ ከም እተዛዘመ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ብኣቦ መንበርነት እትመርሖ ዘላ ሃገረ ኢጣሊያ ከምኡ’ውን ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ጃፓን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣደ መንበር ኮይና ዘገልገለት ናይ ኣገልግሎታ ዘመን ተብቕዕ ዘላ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን እውን ከም እተሳተፈትን ቅድስቲ መንበር ኣባል ጉጅለ 7 ሃገራት ኣይኮነትን፡ እንተኾነ ግን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዋዕላ ብናይ ኢጣሊያ መራሒት መግንስቲ ጆርጃ መሎኒ ብዝገበረትሎም ዕድመ ተረኺቦም መደረ ክም ዘስምዑን እቲ ቅዱስነቶም ዝተረኽብሉ ናይ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ዓውደ ኣኼባ ናይ ዕለት 14 ሰነ ኣኼባ ክፉት ማለት ዘይኣባላት ጉጅለ 7 ሃገራት ዝኾና ካልኦት እውን ዝተዓደማሉ መድረኽ ምንባሩ የዘኻኽር።

15 June 2024, 16:48