ҽ

2024.06.28 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ማሕበር መለኮታዊ ቃል፥ 'ገበርቲ ሰላምን ነብያት ተስፋን ኩኑ! 2024.06.28 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ማሕበር መለኮታዊ ቃል፥ 'ገበርቲ ሰላምን ነብያት ተስፋን ኩኑ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ማሕበር መለኮታዊ ቃል፥ 'ገበርቲ ሰላምን ነብያት ተስፋን ኩኑ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሰነ ንማሕበር መለኮታዊ ቃል (SVD) ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣባላት እቲ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ብኣሰር መስራቲኦም ኣቢሎም “መገዲ መንፈስ ቅዱስ” ክኽተሉን ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ናይ ተስፋ ነብያት ክኾኑን የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 28 ሰነ ዓርቢ ኣብ መበል 150 ዓመት ምስራት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል መለኮታዊ ቃል ንምጽንባል ኣባላት እቲ ማሕበር ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ማሕበሮም ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥

ቃል ኣምላኽ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ካልኦት ክበርህ ኣለዎ (ማቴ 5፡16)፡ ኣብ ውጉኣት ዓለም እሙናትን መሃዝቲ ደቀ መዛሙርቲ ምዃን” ዝብል እቲ ማሕበር ዝሓረዮ ኣርእስቲ ዓውደ ኣኼባ ጠቒሶም ዘለዎ ፍሉይ ትርጉም ኣስተብሂሎም፡ እቲ ሕመረት ቃል ሱር ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ መስህብን ተልእኾኦምን ዘጉልሕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ቃል ድሕነት ኢየሱስ ምዝርጋሕ፣ ኣሰሩ ንምስዓብ ዝሃቦ ጻውዒት ምንባር፣ ከምቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበርዎ ንህይወቱ ኣብነት ብምግባር፥

“ቃል ኣምላኽ ይፈጥር፣ ህይወት ይህብ፣ የነቓቕሕን ይድርኽ እዚ ሕመረት ተልኾኹም እዩ”

እሙናትን መሃዝትን ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ምዃን

ቅዱስነቶም ነቲ እቲ ማሕበር ንዘካይዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዝሓረዮ መርሕ ቃል ከስተንትኑ እከለዉ፥ ከም ልኡካነ ወንጌልን ደቀ መዛሙርትን ገዳማውያንን ፍቕሪ ቅድስቲ ስላሴ ተመክሮ ምግባርን ሃልሃልታ መንፈስ ቅዱስ ህያው ምግባርን ንዕብየትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” እክብሉ ኣዘኻኺሮም፥ “እቲ ሃልሃልታ መንፈስ ቅዱስ መዓልታዊ የሐድሰና፤ ኣብ ማእከል ምድረበዳ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ንሓጢኣትና ወትሩ ብምስትውዓል፡ ግን ከኣ ኣብ ምሕረት እቲ ኩሉ ግዜ ይቕረ ዝብለና ኣምላኽ ተባዓትን ርእሰ ተኣማንነት ዘለናን፡ ናይ ነጋድያን ጉዕዞና ኣብ ምንባር የንጽሓናን ይቕይረናን፥”

“ኩሉ ግዜ ይቕረ ክንብል ኣሎና ፈጺምና ፍትሓተ ኣይትኽሕድ: ኩሉ ግዜ ይቕረ ምባል።”

ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ ምንጪ ናይ ማሕበር መለኮታዊ ቃል ብምሕሳብ "ጽቡቕን ጥዑይን" ልኡካነ ወንጌልን ናይ ምፍጣር ክእለት "ካብ ቃልን መንፈስን ማለት ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ካብ ዘሎ ክርስቶስ ኢዩ ዝመጽእ ንሱ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኣብ ተልእኾኡ ከም እትካፈሉ ይገብረኩም፡”

“ናይ መሃዛይ ልኡካነ ወንጌል ንጥፈታት ካብ ፍቕሪ ቃል ኣምላኽ እዩ ዝውለድ፤ መሃዝነት ድማ ካብ ኣስተንትኖን ምስትውዓልን ይውለድ።”

ንነፍሲ ወከፍ ባህሊ ገበርቲ ሰላምን ነብያት ተስፋን ኩኑ

ቀጺሎም ኣብዛ "ብግጭታት ብውግእ ብምጥፋእ ኣከባቢ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ህይወትን ክብርን ዓመጽ ዝመልኦ ተግባራት ጸንፈያናውያን ርእየተ ዓለምን ከምኡውን ሓያሎ ኻልእ በሰላ" ኣብ ዘለዋ ዓለም ገበርቲ ሰላም ካብ ምዃን ኣትሒዙ ገለ ኻብቲ ሎሚ ንልኡካነ ቃል ኣምላኽ ዘጋጥሞም ዘሎ ኣገዳሲ ብድሆታት ኣጕሊሖም፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ኣባላት እቲ ማሕበር ነቲ ካብ ህዝብታት ዓለም ዝለዓል ዘሎ ናይ ሰላም ኣውያት ክሰምዑ ተማሕጺኖም፡ “ነዚ ልመና ሰሚዕና ገበርቲ ሰላም ንኹን!” ምስ በሉ፥ “ንነፍሲ ወከፍ ባህሊ ናይ ተስፋ ነብያት” ምዃን ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 79 ሃገራት ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር መለኮታዊ ቃል "ክኢላታት ብህልትውና" ከም ዝዀኑን እኳ እንተ ኣተስተብሃሉ ነቲ ብመርበብን ብማሕበራዊ መራኸብን ኣቢሉ "ብዘይ ነቐፌታ ንኣነባብራን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ሰባት ዝጸሉ ዘሎ" ሓድሽ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው መመያ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ልኡካን ሲኖዳውነት ምዃን

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት መለኮታዊ ቃል፥ "ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ብሲኖዳዊ ኣገባብ ክትዓቢ ንዅሉ ኽትሰምዕ ምስ ኵሉ ሰብ ክትዝትይ ከምኡውን ተልእኾኣ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ከተስተውዕል ኣለዋ ስለዚ ልኡካን ሲኖዳውነት ኩኑ” ቢሎም ብተወሳኺ’ውን "ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘመላኽቶ መገዲ ኣቃልቦ ክገብሩን ኣተባብዖም፡ ኣብነት ናይቲ "ፍቓድ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘስተውዕልን ንማሕበር ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝመስረተ ቅዱስ ኣርኖልድ ጃንሰን ነቲ ናይ ሓባር ምስትውዓሎም ክመርሖምን "ትብዓት ዝመልኦ ስጕምቲ ንኽወስዱ ክሕግዞምን” ተስፋኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 June 2024, 16:12