ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ንጥፈታቶም ልሙድ ናይ ወርሓ ሓምለ ዕረፍቲ ክገብሩ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ንጥፈታቶም ልሙድ ናይ ወርሓ ሓምለ ዕረፍቲ ክገብሩ እዮም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ንጥፈታቶም ልሙድ ናይ ወርሓ ሓምለ ዕረፍቲ ክገብሩ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝገብርዎ ዕረፍቲ ምኽንያት ብጀካ እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ዝካየድ ናይ ሰንበት ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክቋርጹ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝበዝሕ ንጥፈታቶም ልሙድ ናይ ሓምለ ዕረፍቲ ክወስዱ ምዃኖም ዕለት 28 ሰነ ካብ ምምሕዳር ቤተ ጳጳስ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከም ዝገብርዎ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ከምኡ’ውን ካልኦት ንጥፈታትን ኣኼባታትን ከቋርጹ ምዃኖም ኣፍሊጡ፥ ይኹን’ምበር ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ብሓባር መሪሖም ዘቕርብዎ ጸሎተ መላኣከ እግዚኣብሕኤር ክቕጽሉ ከም ዝኾኑን ዕለት 7 ነሓሰ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክጅምሩ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቱ፥  ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዒ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብዝ ርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ከም ዝኸውን ገሊጹ፥  ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 2-13 መስከረም ክልተ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ክገብሩ መደብ ተታሒዙሎም ከምዘሎን፣ እቲ ቀዳማይ ናብ እስያን ኦቻይናን፣ እቲ ዝቕጽል ድማ ኣብ መወዳእታ፣ ካብ 26-29 መስከረም ናብ ቤልጅየምን ሉክሰምበርግን ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

29 June 2024, 16:16