ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ናብ ቱርኪ ክበጽሑ ተስፋ ይገብሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ናብ ቱርኪ ክበጽሑ ተስፋ ይገብሩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ናብ ቱርኪ ክበጽሑ ተስፋ ይገብሩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዕለት 29 ሰነ ኣብ ዓምታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንኽሓብሩ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስቲያን ፓትርያርክ ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝኽሪ መበል 1,700 ዓመት ዋዕላ ኒቅያ ንምብዓል ኣብ ዝካየድ ጽምብል ንኽሓብሩ ኣብ 2025 ዓ.ም. ናብ ቱርኪ ክበጽሑ ድላይ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ መበል 1,700 ዓመት ናይ መጀመርታ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ንምብዓል ኣብ ዝካየድ ጽምብል ንኽሓብሩ 2025 ዓ.ም. ናብ ቱርኪ ከባቢ ኒቅያ ክበጽሑ ድላይ ከምዘለዎ ዕለት 28 ሰነ ንልኡካን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንክሎ፥ ኣስዒቦም ድማ "እዚ ብምሉእ ልበይ ዝምነዮ ጕዕዞ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓጎስ ሕውነታዊ ርክብ

ቅዱስነቶ ኣስዒቦም፥ "ምስ ኣሕዋት ምርኻብ ዝህቦ ሓጐስ" ኣጒሊሖም፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንኽልቲአን ኣብያተ-ክርስትያን ሓድነት ከም ዝህልወን ዝገብር "ዓሚቝ ማእሰር" ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ሓድነት ንምምላስ እተገብረ "ጽኑዕ ቈራጽነት" ንምምስካር ኣጋጣሚ ስለ ዝኾኖም ብሓጐስ ተቐቢሎም፡ ብፍላይ ምስቶም ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርጠለሚዮስ ቀዳማዊ ብፍላይ ከኣ ነቲ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ፓትሪያርክ ኣቴናጎራስ ቀዳማውን እተገብረ ታሪኻዊ ርክብ ንምብዓል ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ የሩሳሌም ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፥ ነቲ ናብ ምሉእ ሓድነት ንምብጻሕ ዝገበርዎ ቘራጽነት ብምጕላሕ፡ "ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያንና ዝግበር ዘተ ንውህደት እምነት ኣብ ሓደጋ ከም ዘየእቱ" እንደገና ኣረጋጊጾም፣ የግዳስ ካብቲ ንጐይታ ዘሎና ተኣማንነት ተበጊስና ህያባት ብምልውዋጥን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምእታውን ናብ ምልኣተ ሓቂ ዝመርሓና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንሰላም

ቅዱስነቶም ነቲ ድሕሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ክሌኣዊ ርክብ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ንሶምን ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ተወከልቲ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ብሓባር ምእንቲ ሰላም ዘካየድዎ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት፥ "ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንምምጻእ" ቃል ከም እተኣተወ ዘኪሮም፥ "እዚ ሕጂ ዘሎ ፍጻመታት እቲ ውግእ ምእንቲ ከብቅዕ መራሕቲ ሃገራትን እቶም ኣብ ግጭት ዘለዉ ነቲ ናብ ስምምዕ ዝመርሕ መገዲ እንደገና ምእንቲ ኽረኽቡ ኵሎም ወገናት ከኣ ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍልጦ ንኽወሃሃቡ ብሓባር ምጽላይ ኣድላይን ህጹጽ ምዃኑን ኣርእዩና ኢዩ" ከም ዝበሉን እዚ ሰላም ንምርካብ ዝቐረበ ጸሎት ኣብ ኵሉ ግጭታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝግበር ቀጻሊ ውግእ ዝበጽሕን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መንገዲ ፍቕርን ዕርቅን ምሕረትን

"ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን መጻኢ ብፍርሒ ዝምልከቱ ኮይኖም ኣብ ዝነብርሉ ዘሎ እዋን" እቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝጽምበል ዓመተ ኢዮቤል፥ “ነጋድያን ተስፋ፥ ዝብል መርሕ ቃል ተስፋ ኣድላዩ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ነቲ ዝመጽእ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ብዙሕ መንፈሳዊ ፍረ ዘፍሪ ክኸውን ብጸሎት ክሓብራን ክድግፋን” ተላብዮም - "እታ ጐይታ ዘርእየና ኩሉ ግዜ ናይ ፍቕርን ዕርቅን ምሕረትን ዝኾነት መንገዲ ክንስዕብ እግዚኣብሄር ይደግፍና" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 June 2024, 16:20