ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሉተራናውያን ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ‘ምልክታት ተስፋ’ የጉልሑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሉተራናውያን ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ‘ምልክታት ተስፋ’ የጉልሑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሉተራናውያን ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ‘ምልክታት ተስፋ’ የጉልሑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 20 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ልኡካን ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማሕበር ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ተራኸቡን ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሓባራዊ ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያን ነቲ ብዛዕባ ትምህርቲ ድሕነት/ጽድቂ ዝምልከት ካቶሊካውን ሉተራናውያንን ዝበጽሕዎ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣብ ኤቁመናዊ ጉዕዞ ምልክት ተስፋ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 20 ሰነ ናይ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማሕበር ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዎት ኣካላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም”፥ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድው ምብጻሕ “ኣገዳሲ ምልክት ኩለንተናዊ ሕውነት” እንክብሉ ገሊጾም፥ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ምስ ሉተራናውያን ልኡካን ዘካየድዎ ቀዳማይ ክሌኣዊ ርክብ ብምዝካር፣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝኽሪ መበል 1700 ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ፥ “ዓለም ለኻዊ ፍጻመ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ናይቲ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ኣዋጅ፥ “ኣብ ክርስቶስ ዘማእከለ ኤቁመናዊ ምትእስሳር” ዘቃልሕ እዩ ቢሎም፥ ነቲ ብዋና ጸሓፊት ዓለም ለኻዊ ፈደራላዊ ሉተርናዊ ማሕበር መጋቢተ ኣን ቡርግሃርት (ኣብቲ ናይ ሓሙስ ርክብ ዝነበረት)ን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ወግዓዊ ዝገበርዎ ሓባራዊ ኣዋጅን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዘኪሮም፥

“እዚ ጉዕዞ እዚ ኣብ ታሪኽ ዕርቂ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ጽቡቕ ምልክት ተስፋ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ፡ ‘ሕመረት ኤቁመን”

ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብቲ ኣቐዲሙ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተፈረመ ሓባራዊ ኣዋጅ ትምህርተ ጽድቂ ወይ ድሕነት ገጾም ኣቕኒዖም፣ ኣብኡ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን “ብዅሉ ንክርስቶስ ምንዛዝ” ኣብ ዝብል ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ከም እተሰማምዑን ገሊጾም፥ “ንሱ መለኮታዊ ምሕረት ስጋ ዝለበሰ እዩ፣ ኵላዊ ተልእኾና ድማ ነዚ ምምስካር እዩ።” እቲ ኣዋጅ እቲ “ኣብ ታሪኽ ዕርቂ ካልእ ምልክት ተስፋ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሓቅን ፍቅርን ዘተ

ቀጺሎም “ናይ ሓባር መንፈሳዊ መበቆልና” ኣብ “ንሕድገት ሓጢኣት ሓደ ጥምቀት” ዝብል ብምጥቃስ ንሉተራናውያንን ካቶሊካውያንን ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ “ናይ ሓቅን ፍቕርን” ዘተ “ብተኣማንነት ከም ነጋድያን ተስፋ ክቕጽሉ” ተላብዮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊ ጳጳስ ዮሓንስ ዚዚዮላስ፣ ብዋዛ፣ ሕብረት ክርስትያን ኣብ መወዳእታ ግዜ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፥ “ኣብዚ ግዜ’ዚ - ንነፍስሄር ጳጳስ ዚዚዮላስ ብምጥቃስ ሓቢርና ክንጐዓዝ ኣሎና: ብሓባር ክንጐዓዝ፣ ብሓባር ክንጽሊ፣ ብሓባር ናይ ፍቕርን ሓቅን ዝተ ክንፍጽም ኣሎና” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 June 2024, 16:14