ҽ

2021.06.13 Immagine Sacro Cuore di Gesu di Pompeo Batoni 2021.06.13 Immagine Sacro Cuore di Gesu di Pompeo Batoni 

ር. ሊ. ጳ. ናብታ 'ልባ ዝጠፍአት' ዓለም ብዛዕባ ቅዱስ ልቢ ዝገልጽ ሰነድ ክጽሕፉ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ እተወፈየ ሰነድ ከም ዝጽሕፉ ገሊጾም ።

ር. ሊ. ጳ. ናብታ 'ልባ ዝጠፍአት' ዓለም ብዛዕባ ቅዱስ ልቢ ዝገልጽ ሰነድ ክጽሕፉ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ እተወፈየ ሰነድ ከም ዝጽሕፉ ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ መንፈሳውነት ናይ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ብምምልካት “ንመስርሕ ተሓድሶ ቤተክርስቲያን ንምብራህን፣ ከምኡ ውን ነታ ልባ ኣጢኣ ዘላ ዓለም ትርጉም ዘለዎ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ” ሓደ ሰነድ የሰናድዉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም ።

ኣብዛ ናይ ወርሒ ሰነ ናይ ንመጀመርታ ሮቡዕ ዝኾነት ኣብዚ ንቅዱስ ልቢ እተወፈየት ወርሒ፣ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ዝሓለፈ 27 ታሕሳስ መበል 350 ዓመት ግልጽት ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ናይ መጀመርታ ራእይ ቅድስቲ ማርጋሬት ሜሪ ኣላኮክ ምንባሩ ውን ዘከሩ ።

ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት እዚ መንፈሳውነት እዚ ክኸብር ከም ዝጀመረን ንዓመታኡ ኸኣ ብ27 ሰነ ክዛዘም ምዃኑ ውን ገለጹ።

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "እቲ ዝሰናዶ ዘሎ ሰነድ ነቲ ኽቡር ኣስተንትኖታት ናይ ቀዳሞት ሥልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስትያንን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተዘርዚሩ ዘሎ ነዊሕ ታሪኽን ዝስንድን፣ ሎሚ ውን ከም እንደገና  ከም ጽቡቕ መንፈሳዊ አገልግሎት ናብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ንምትእትታው" ዜዳሉ ሰነድ ከምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

"ነቲ እንጕዓዞ ዘለና መገዲ ኣቅላሲያዊ ተሓድሶ ከብርህ ዝኽእል እተፈላለየ መዳያት ፍቕሪ ጐይታ ንምስትንታን ብዙሕ ከም ዝጠቕመና እኣምን ኢየ፣ የግዳስ ነታ ልባ ዝጠፍአት እትመስል ዘላ ዓለም ኣገዳሲ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ውን እዩ" በሉ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ሰነድ እዚ ኣብ ዚቕጽል መስከረም ናብ ሕዝቢ ምእንቲ ከመሓላልፍዎ ኣብዚ ምስንዳው ናይዚ ሰነድ እዚ ምሳኦም ሓቢሮም ምእመናን ውን ብጸሎት ከሰንውይዎም ጻዊዒት ኣቕሪቦም ።

ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ምስኦም ሓቢሮም ክጽልዩ ብምሕታት ኣብ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ንዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዳግም አሐደስዎ ።

ወሲኾም ድማ "ንኣደ ጐይታ ሰላም ከተማልደልና ንለምና" በሉ ፣ ከምቲ ብዙሕ ሳዕ ዝገብርዎ ድማ "ሰላም ኣብ ዩክረይን ሰላም ኣብ ፍልስጥኤም ሰላም ኣብ እስራኤል ሰላም ኣብ ምያንማር ..." እንክብሉ ምሕጽንታ ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ጐይታ ውህበት ሰላም ምእንቲ ኺህበናን ዓለም ብውግእ ብዙሕ ከይትሳቐን ንጸሊ" ቢሎም ጻውዒት ብምቕራብ መደረኦም ዛዘሙ።

ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ድሕሪ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
05 June 2024, 12:53