ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዕላ G7፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ‘ሸቶ ወይ ገለልተይና ኣይኮነን’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዕላ G7፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ‘ሸቶ ወይ ገለልተይና ኣይኮነን’ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዕላ G7፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ‘ሸቶ ወይ ገለልተይና ኣይኮነን’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 13 – 15 ሰነ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ፑሊያ ኣብ ዝተኻየደ ናይቲ ብጉጅለ ሸውዓተ ዝፍለጥ ቢንዳስትሪ ዝማዕለባ ሃገራት ዓውደ ኣኼባ ኣብቲ ዕለት 14 ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝተወፈየ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብዛዕባ ስግኣትን መብጽዓን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ‘እደ ጥበባዊ - ሰብኣዊ ኩነታት’፡ ሰብ ኣንጻር ቀመራዊ ኣገኣብ ውሳነ ክገብር፡ ህቀና ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከምኡ’ውን ኣድላይነት ፖለቲካዊ ምትሕብባር ኣብ ዛዕባ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝብሉ ነጥብታት ከም ዝዳህሰሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ፑሊያ ካብ ዕለት 13 – 15 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ዋዕላ መደብ መሰረት ዕለት 14 ሰነ ኣብቲ ኣብ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝተወፈየ ኣኼባ ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን ኣብዚ መድረኽ መራሕቲ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጣልያን፣ ፈረንሳ፣ ካናዳ፣ ጀርመንን ጃፓንን ዘራኽብ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ናይ መጀመርያ ር.ሊ.ጳ. ከም ዝኾኑን

ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎ፡ ሓደጋታትን መብጽዓታትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተወፈየ መድረኽ ተረኺቦም ውልደት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ሓቀይና ኣእምሮኣዊ - ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ” ዝውክል ኮይኑ፡ “ዝተሓላለኸ ዘመናዊ ለውጢ” ከምጽእ ከም ዝኽእል ብዝብል ሓሳብ መደረኦም ኣበጊሶም፡ እዚ ለውጥታት እዚ፡ ክልቲኡ እወንታዊ ክኸውን ዝኽእል ተኽእሎ ኣለዎ - ንኣብነት፡ “ዲሞክራስያዊ ምግባር ተበጻሕነት ፍልጠት”፡ “ብዓቐን ምዕባለ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር”፡ ከምኡ’ውን ምንካይ “ጠለብን ኣድካምን ስራሕ” – ግን ከኣ ኣሉታዊ  ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎ ንኣብነት፡ “ኣብ መንጎ ምዕቡላትን ኣብ ምምዕባልን ዝርከባ ሃገራት ወይ ኣብ መንጎ ዓብላልን ውጹዓትን ማሕበራዊ ደርብታት ዝገደደ ዘይፍትሓዊ ተግባር " ኬጋጥም ይኽእል እዩ።

እቲ ’እደ ጥበባዊ - ሰብኣዊ ኩነታት

ቅዱስነቶም እቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፥ "ልዕሊ ኩሉ ዝተበጽሐ መጋበርያታት" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ እቲ "እደ ጥበባዊ - ሰብኣዊ ኩነታት" ጉዳይ ጠቒሶም፡ ደቅሰብ ምስ ኣከባቢ ዘለዎም ርክብ ወትሩ በቲ ዘፍርይዎ መሳርሒታት ሞንጎይናነት እዩ ዝኽወን፡ ገሊኦም ሰባት ነዚ ኸም ድኽመት ወይ ከም ጕድለት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፣ ይኹን እምበር እዚ ብሓቂ እወንታዊ እዩ ምኽንያቱ "ናብቲ ካባና ወጻኢ ናብ ዘሎ ዘቕንዑ ምዃንና ክንየው ነብል” ፍጡራት ምዃንና እዩ ዘረጋግጽ።

እዚ ሱር እቲ "እደ ጥበባዊ - ሰብኣዊ ዅነታትና" ኸምኡውን ሱር እቲ ንኻልኦትን ንኣምላኽን ዘሎና ርሁውነትን ከምኡውን ሱር ስነ-ጥበባውን ኣእምሮኣውን ክእለትና እዩ።

ውሳነ ምሃብ፡ ደቂ ሰባት ኣንጻር መሳለጥያ ((machines)

ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ውሳነ ምሃብ ናብ ዝብል ኣርእስቲ ሰጊሮም፥ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ - AI “ብቀመራዊ ኣገባብ ምርጫታት” ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊጾም፡ ደቂ ሰባት ግና “ዝመርጹ ጥራይ ዘይኮኑስ ኣብ ልቦም ናይ ምውሳን ዓቕሚ ዘለዎም እያቶም።” እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ጥበብ፡ ናይቲ ጥንታውያን ግሪኻውያን phronesis – ጥበብ (ንግብራዊ ተግባር ዝምልከት ዓይነት ብልሒ) ከም ዝብልዎን ከምኡ’ውን ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ምስማዕ ዓቕሚ ኣለዎም። በዚ ኸኣ ኣገደስቲ ውሳኔታት “ኩሉ ግዜ ንሰብኣዊ ስብእና ክግደፉ” ይግባእ እንክብሉ ኣስሚሮም፥ ከም ኣብነት ናይዚ መትከል እዚ ምምዕባል ቀታሊ ርእሰ ተመሓዳሪ ኣጽዋር - ብዘይ ዝኾነ ሰብኣዊ ምትእትታው ህይወት ሰብ ክቕንጽል ዝኽእል - ብምጥቃስ ኣብ መወዳእታ ክእገድ ኣለዎ ኢሎም።

ቀመራዊ ኣገባብ 'ሸቶን ገለልተይና ኣይኮነን'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተወሳኺ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምርጫታት ንምብጻሕ ዝጥቀመሉ ቀመራዊ ኣገባብ “ሸቶ ወይ ገለልይተይና ከምዘይኮነ” ኣስሚሮም፡ ንኣብነት ንዳያኑ እሱራት ካብ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣብ ቤቶም እሱራት ክኾኑ ንብዝል ውሳኔ ንምሕጋዝ ዝተዳለወ ቀመራዊ ኣገባብ ጠቒሶም፡ እዞም መደባት’ዚኣቶም፡ ኣብ ከም ዓይነት ገበን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝግበር ኣካይዳ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ገምጋም፡ ከምኡ’ውን ብሄራዊ መበቆል ናይቲ እሱር፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ደረጃ ልቓሕ ዝኣመሰሉ መረዳእታታት መሰረት ብምግባር ምርጫ ከም ዝገብሩን፡ ካልእ ጸገም ከኣ ስነ ቀመራዊ ኣገባብ "ነቲ ወግዓዊ ሓቅታት ብቝጽሪ ጥራይ ክምርምሮ ዝኽእል" ምዃኑ ኣጕሊሖም - እዚ ነቲ ክውንነት ምንካይ ከም ዝኾነን፡ ክንፈልጦ ዘሎና ግን "ወዲ ሰብ ክዓብይን ብተግባራቱ ድማ ከገርሙና ዝኽእል እዩ። ሓደ መሳለጥያ ማለት ማሽን ነዚ ኣብ ግምት ከእቱ ኣይክእልን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ - ብቀመራዊ ኣገባብ ዝተፈጥሩ ህቀናታት

ቀጺሎም ብዙሓት ተማሃሮ ኣብ መጽናዕቶምን ብፍላይ ድማ ኣብ ምጽሓፍ ህቀናታትን ንኽሕገዙ ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምጽጋዕ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፥ "ብጥብቂ ኺርአ ኸሎ ኣፍራዪ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብሓቂ 'ኣፍራዪ' ኣይኰነን፣ የግዳስ "ሓድሽ ትንታኔታት ወይ ሓሳባት ኣየማዕብልን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ "ነቲ ዝረኸቦ ይደግሞ ማራኺ ወይ መሳጢ መልክዕ ድማ ይህቦ እዩ።"

እዚ ድማ “ንባዕሉ ንመስርሕ ትምህርቲ ናይ ምድኻም” ሓደጋ ከምዘለዎ ገሊጾም። ትምህርቲ፡ “ንሓቀይና ኣስተንትኖ” ዕድል ክህብ ዘለዎ ክነሱ. . . "ብሰንኪ ቀጻሊ ምድግጋሞም ጥራይ፡ ናብ ምድግጋም ኣምር ናይ ምውራድ ሓደጋ ዘለዎ ይኸውን፡ እቲ ምድግጋም ነቲ ዝድገም ከም መንቅብ ዘይብሉ ኮይኑ ይግምገም . . . እዚ ሓደገይና እዩ።”

ናብ ሓደ ቀመራዊ ኣገባብ - ስነ ግምባር

ቅዱስነቶም መደረኦም ኣብ ምዝዛም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኩሉ ግዜ “ብኣረኣእያ ዓለም ናይቶም ዝመሃዝዎን ዘማዕበልዎን” ከም ዝቕረጽ ኣስሚሮም፥  ኣብዚ መዳይ እዚ ብፍላይ ዘተሓሳስብ ነገር እንተሃልዩ፡ ሎሚ "ኣብቶም ንማሕበራዊ ህይወት ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ስምምዕ ንምርካብ ኣጸጋሚ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ . . .  ምርድዳእ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክቐርጽ ዘለዎ ፍልስፍና ብዝምልከት . . . ስለዚ እቲ ዘድሊ “ቀመራዊ ኣገባብ ዝምርሓሉ - ስነ-ምግባር እዩ፡ ማለት “ካብ ባህልታትን ሃይማኖታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዓበይቲ ትካላትን ደገፍ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ዘለዎ” ተኸታታሊ “ዓለማውን ብዙሕነትን” ዝብል መትከላት ምምዕባል የድሊ፡ . . .  "ንሓደ ዓይነት ዓለምለኻዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምግላጽን ንምቅራብን እንተተቓሊስና፡ እንተወሓደ “ከመይ ጌርና ከም እንነብር ዝምልከት ቅልውላዋት ወይ ግርጭታት ንምፍታሕን መልሲ ክትህበሉ እትኽእል ናይ ሓባር መትከላት ክንረክብ ንኽእል ኢና።”

ኣድላዪ ፖለቲካ

ነዚ ብድሆ ኣብ ምግጣም ቅዱስነትም፥ ህጹጽ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ከም ዘድሊ ሓቢሮም . . . "ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ክእለታትን ዘሳትፍ ጥዑይ ፖለቲካ ጥራይ እዩ ንብድሆታትን ተስፋታትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክገጥም ዝኽል ምስ በሉ፡ እቲ ዕላማ፡ ንመሃዝነትን መደባት ዕብየትን ደቂ ሰባት ንምሕናቕ ዘይኮነስ፡ "ጸዓት ብሓድሽ መስመራት ንምቕናዕ" እዩ እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስሎ ንG7 ዘስምዕዎ መደረ ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽሉ ኣድራሻ ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ

15 June 2024, 16:43