ҽ

2024.06.08  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ኣባላት መዘምራን: ምስ ጎይታ ብጸሎት ተራኸቡ! 2024.06.08 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ኣባላት መዘምራን: ምስ ጎይታ ብጸሎት ተራኸቡ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ኣባላት መዘምራን: ምስ ጎይታ ብጸሎት ተራኸቡ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሳተፍቲ ራብዓይ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣናጎስጢንስ መዘምራንን፥ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣቓልቦኦም ናብ ሰለስተ ኣገደስቲ መዳያት ኣገልግሎቶም ይስሕቡ፡ ንሳቶም ድማ ስኒት፡ ሕብረትን ሓጐስን ምዃኖም የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም መንእሰያት ኣባላት መዘምራን ዕለት 8 ሰነ ንግሆ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ "ንጸሎትን ቃል እግዚኣብሔር ንምስትንታንን ዝተጸዋዕኩምሉ ልዑል መንፈሳዊ ኣገልግሎት ተኸናኸኑ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ተበግሶ ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ቅዋመ ማሕበር ኣናጎስጢስን መዘምራንን ሃገረ ስብከት ሮማ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እዚ መደብ እዚ ቆሞሳትን ማሕበራት ኣናጎስጢንስ መዘምራን ሰበኻታት ሮማ መራሕቲ መዘምራንን ኣባላት ሙዚቀይናታትን ዘራኽብ ከም ዝኾነን ኣመላኺቱ፥ ቅዱስነቶም ናይቶም ኣባላት መዘምራን መንሰያትን ህጻናት ገርሀይናነቶምን ንጽህናኦምን ብምንኣድ ጎይታ ንሕጻናት ናባይ ንዑ ከም ዝብሎም ኣዘኻኺሮም፡ ዋጋ መዝሙር ኣብ ሊጥርጊያ ብዕምቆት ንምድህሳስ ዝዓለመ ዘካይድዎ ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉ ዝተረኽቡ መዘምራን ካብ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ሮማ ዝመጹ እኳ እንተኾኑ፡ ኩሎም ግን "ብእምነትን ፍቕሪ ሙዚቃን ዝተጠርነፉ" ምዃኖም ገሊጾም፥ "ንስኻትኩም ኣንደበተ ርቱዕ ምልክት ሓድነት ኢኹም" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ሰለስተ ኣገደስቲ መዳያት" ኣገልግሎቶም ማለት ስኒት፡ ሕብረትን ሓጎስን ኣብ ዝብሉ ክብርታት ኣተኩይሮም፥

ስኒት ይብሉ፥ ሙዚቃ ስኒት ከም ዝፈጥር፡ "ብእኡ ድማ ንኹሉ ዝበጽሕ፡ ንዝሳቐዩ ዘጸናንዕ፡ ኒሕ ውጹዓት ዝሕድስን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ሙዚቃ'ውን "ስኒት ንዘለዎ ብርሃን ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ከም ጽባቐን ግጥምን ዝኣመሰሉ ድንቂ ክብርታት የምጽእ።”

ሓድነት ድማ፥ መዘምራን በይኖም ዘይኮኑስ ብሓባር ከም ዝዝምሩ ኣስሚሮም፥ "እዚ ድማ ብዛዕባ ቤተክርስትያንን እንነብረላ ዓለምን ዘሕብረና ኮይኑ፡ እዚ ኣገልግሎት እዚ፥ ብሓባር ዝግበር ጉዕዞ ምስ ዓቢ ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ምርኢት ክመሳሰል ዝኽእል፡ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዓቕሙ ኣበርክቶ ዝገብረሉ፥ ብሙዚቃ መሳርሒታት ድዩ ብቃና መዝሙር ግደኡ ዘበርክተሉን፡ በዚ ድማ ኣብ ሓድነት ዘሎ ኣንኮ ሃብቲ ብምስትምቓር” ይግለጽ።

እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ገዛእ ርእስና ህይወትን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምግላጽ፥ "ምእንቲ ካብ መላእ ዓለም ናይ ምስጋና መዝሙር ናብ ኣምላኽ ልዕል ክብል ኩላትና ንረብሓ መላእ ሕብረተሰብ እጃምና ክነበርክት ተጸዊዕና ኢና ቢሎም - ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ማሕበር ኣናጎስጢስን መዘምራንን "ሓለውቲ ናይቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ሃብቲ ጥበብ፡ ጽባቐን መንፈሳውነትን" ምዃኖም ድማ ገሊጾም፡ እዚ ምዃኖም እዚ ድማ፡ “ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ከም ውልቃዊ ረብሓን፡ ህርፋን፡ ቅንኢ ወይ ምፍልላይ ዝብሉ ማሕበር መዘምራን ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ሓሴት ቦታ ዘይኮነስ ቦታ ጓህን ጾርን ክሳብ ምብትታን ዘስዕቡ ነገራት ከበላሽው" ከይፈቕዱ ኣጠንቂቑዎም። "በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ዝተጸዋዕኩምሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ብቃናኹም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ብጸሎትን ቃል ኣምላኽ ብምስትንታንን እተቕርብዎ ኣገልግሎት ኣብ ሊጡርጊያ ብኣእምሮን ልብን ዝተሰነየ ይኹን” ቢሎም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ስብከተ ወንጌልን ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 June 2024, 17:11