ҽ

2024.05.22 Udienza Generale 2024.05.22 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ውሩያት ተዋዘይቲ ኣብ ቫቲካን ክራኸቡ ኢዮም

ከም እኒ ጂሚ ፎሎን ስቲቨን ኮልበርት ኮናን ኦብሪያን ክሪስ ሮክ ከምኡ ውን ዎፒ ጎልድበርግ ዝኣመሰሉ ተዋዘይቲ ኮመዲያን ካብቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 14 ሰነ ዝረኽብዎም ናብ ሃገረ ቫቲካን ንዝመጹ ኣህጉራውያን ስነ-ጥበባውያን ምኹኖም ካብ ቤተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 14 ሰነ ምስ ህቡባት ተዋዘይቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም ዚራኸቡ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፈሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

እቶም ልዕሊ 100 ዝዀኑ ተዋሳእቲ ኣብ ሓውርያዊ ህንጻ ሃገረ ቫቲካን ሰዓት 8 30 ቅ. ቐ. ክርከቡ ኢዮም።

ሓጐስን ሰላምን ተስፋን ከም ዚሰፍን ምግባር

እቲ ዝመጽእ ርክብ "ንጽባቐ ብዝሓውነት ደቅሰብት ንምኽባር" ዝዓለመ ምዃኑ ውን ተገሊጹ ። [ከምኡውን] መልእኽቲ ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ዘተባብዕ ኢዩ።" ትርጕም ዘለዎ ኣብ መንጎ ባህሊ ዝግበር ዝርርብ ከምኡውን ሓጐስን ተስፋን ናይ ምክፋል ህሞት ክኸውን ምዃኑ ውን መብጽዓ ኣትዩምሉ ኣለዉ ። "

ከም እኒ ጂሚ ፎሎን ስቲቨን ኮልበርት ኮናን ኦብሪን ዎፒ ጎልድበርግ ከምኡውን ክሪስ ሮክ ዝኣመሰሉ  ካብቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ኮመዲያን ክኾኑ ኢዮም ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ካብ መላእ ዓለም እንተላይ ካብ ሕቡራት ንግሥነታትን ኣይርላንድን ዝመጹ ተዋዘይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ኣብዚ ርክብ ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ እቲ ዝዓበየ ጕጅለ ምሉእ ብምሉእ ክልተ ሲሶ ዝኾኑ ኻብ ኢጣልያ ዝሳተፉ ኢዮም ።

'ጐይታ ናይ ዋዛ ክህለት ሂቡኒ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቲ ናይ ኢጣልያ ቲቪ2000 ዝስመ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ - መሕትት ከምቲ ቅዱስ ቶማስ ሞር ንጐይታ ተዋዛያይ ክገብሮ ብምሕታት መዓልታዊ ይጽሊ ከም ዝነበረ ገለጹ ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ቅዱስ ኣቦና ተዋዘይቲ ስነ-ጥበብ ድንጋጸን ርሕራሐርን ዝለዋ ዓለም ንምፍጣር ኣበርክቶ ኽገብሩ ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ሂሞምሉ ኢዩም ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ምስ ስነ-ጥበባውያን ኣብ እተራኸበሉ እዋን ቅዱሳት ጽሑፋት ንባዕሎም ብዜገርም ዛንታታት ሃብታም ምዃኑ መስኪሮም ኢዮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ቅብኣ ስርሓት ሚካኤልኣንጀሎ ተኣኪቦም ዝነበሩ ስነ-ጥበባውያንን ተዋሳእትን ሰኣልቲ ካርቱናትን ከምኡ ውን ጸሓፍትን ዝርከብዎም ተዋዘይቲ "ሓድሽ ዓለም ናይ ምሕላም ክእለት" ክጥቀሙን ዘለዎም ተስፋ ገለጹሎም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ "ብዜገርም ውርዝውና" ኸምኡ ይገብሩ ምህላዎም ኣመስገንዎም።

10 June 2024, 12:56