ҽ

ፍራንቸስኮ ንተወፋይነት ነፍስሄር ብፁዕ ካርዲናል ፌሊክስ ምስጋና የቕርቡ ፍራንቸስኮ ንተወፋይነት ነፍስሄር ብፁዕ ካርዲናል ፌሊክስ ምስጋና የቕርቡ 

ፍራንቸስኮ ንተወፋይነት ነፍስሄር ብፁዕ ካርዲናል ፌሊክስ ምስጋና የቕርቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ካርዲናል ኬልቪን ኤድዋርድ ፌሊክስ ምኽንያት ናብ ምእመናን ፈደራላዊት ሃገረ ምብራቕ ኢንዲያና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም ነፍሰሄር ካርዲናል ፈሊክስ ንእግዚኣብሔር ሕድሪ ቢሎም፡ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ድማ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ከም ተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ኬልቪን ኤድዋርድ ፌሊክስ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ካስትሪስ ዕለት 30 ግንቦት ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድመኦም ከም ዝዓረፉን ኣብ ሃገረ ምብራቕ ኢንዲን ደሴት ሴይንት ሉቺያ ካብ 1981 ክሳብ 2008 ዓ.ም.

ዘገልገሉን ኣብ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 1 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን ምግለጺ መልእኽቲ ተለገራም ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም፥ ንካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ምመናንን ርእሰ ሰበኻ ካትሪስን ቤተ ክርስቲያን ዌስት ኢንዲያን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፥ ነፍስሄር ካርዲናል ፌሊክስ ኣብ ቅድስቲ ሉቺያ ንነዊሕ ዓመታት ውፉይ ጳጳስን ብፍላይ ድማ ትምህርቲ መንእሰያት ኣብ ምዕባይ ዝገበርዎ ጻዕርን ኣብ መላእ ካሪብያን ንቤተ ክርስቲያን ዘበርከትዎ ኩሉ ብዓሚቕ ሞሳ ብምዝካር፡ ነፍሶም ንፍቕርን... ምሕረት ሰማያዊ ኣቦና ሓደራ” ቢሎም፥ ንዅሎም ኣብ ፍትሓት ቅዳሴ ንዝሳተፉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉ የመላኽት።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ብመሰረት ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ፥ ካርዲናል ፌሊክስ ዕለት 15 ለካቲት 1933 ዓ.ም. ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካ ርእሰ ከተማ ሮሱ ዝተወልዱን ኣብቲ ኣብ ትሪኒዳድ ዝርከብ ሰይንት ጆን ቪያነይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተማህሩን ዕለት 8 ሚያዝያ 1956 ዓ.ም. ካብ ሮሶ ዝመጹ ናይ መጀመርታ ናይ ሰበኻ ካህን ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካ ድማ ናይ መጀመርታ ካቶሊካዊ ካህን ንምዃን ዝበቕዑን ድሕሪ ናይ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ዶሚኒካን ናይ ጉስነት ኣገልግሎቶም ካብ 1962 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ነው ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፍራንሲስ ዛቪየር መንበረ ጥበብ ተማሂሮ፣፡ ኣብኡ ድማ ኣብ 1963 ዓ.ም. ተመሪቖም ኣብ 1967 ዓ.ም. ኣብ ኢንዲያና ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም ብስነ-ማሕበረሰብን ስነ - ሰብን ልዑል ምሩቕ ንምዃን ከም ዝበቕዑን ኣብ መንበረ ጥበብ ብራድፎርድ ዮርክሻየር ዓዲ እንግሊዝ ብስነ-ማሕበረሰብ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቶም ቀጺሎም ኣብ 1970 ዓ.ም. ሊቕነት ከም ዘመስከሩን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንማሕበረሰብ ስደተይናታት ዶሚኒካን ኣብ ምግልጋልን ደገፎ ኣብ ምዃን ዝተወፍዩ ምንባሮምን ድሓር እውን ኣብ ቅዱስ ዮሃንስ ቪያነይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ኣብ መንበረ ጥበብ ዌስት ኢንዲያን ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ መምህር ስነ ማሕበረሰብ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ይፍለጥ።

ዕለት 17 ሓምለ 1981 ዓ.ም. ናይ ሃገረ ስብከት ካስትሪየስ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ድማ ክሳብ ዕለት 15 ለካቲት 2008 ዓ.ም. ከም ዘገልገሉን ነፍስሄር ካርዲናል ፈሊክስ ኣቦ መንበር ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ካሪብያን፡ ኣቦ መንበር ናይ ኣንቲለስ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤን ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ሃገረ ስብከት ብሪጅታውን ባርባዶስን ከምኡ’ውን ኣባል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ስድራ ቤት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባል ከምኡውን ኣባል ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ንኣሜሪካ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ዕለት 22 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካርዲናል እንክብሉ ኣብ ሮማ ናይ ቅድስተ ማርያም ሰናይ ጥዕና ቤተ ክርስቲያን ስዩም ሊቀ ጳጳሳት እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

03 June 2024, 09:12