ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ ሓይልታት ኪዳን ኖርማንዲ ዝኣተውሉ ብጻውዒት ሰላም የኽብሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 6 ሰነ 1944 ዓ.ም. ሓይልታት ኪዳን ኣብ ኖርማንዲ ዝኣተዉላ ዕለት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ቅድሚ ሃይማኖታውያንን በርገሳውን ወተሃደራትን ሰበ-ስልጣን ኣብ እተገብረ ጽምብል ከም እተነበን፡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ንኹሎም ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ቅርበቶም ብምርግጋጽ ብዛዕባ እቲ ንኤውሮጳ ሓርነት ዘምጸአ ሓባራውን ወተሃደራውን ጻዕርን ዝተኸፍለ ዘይተኣደነ መስዋእቲን የስተብህሉ።
"እቲ ሓይልታት ኪዳን ኣብ ኖርማንዲ ምእታው ብሓፈሻ ነቲ ዘስካሕክሕ ዓለማዊ ግጭት ዘዘኻኽር ኮይኑ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝተሳቐዩሉ፡ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ዝተበታተኑሉን ብዙሕ ዕንወት ዘጋጠመሉን'ዩ" እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ብምምልካት፥ ምስሊ ከተማታት ኖርማንዲ - ከን፡ ለ ሃቭረ፡ ሴንት-ሎ፡ ቸርቦርግ፡ ፍሌርስ፡ ሩዋን፡ ሊዚዩ፡ ፋላይስ፡ ኣርጀንቲናን - ከምኡ'ውን ካልኦት ብዙሓት፡ ንህይወት እቶም ማእለያ ዘይብሎም ንጹሃት ሰላማውያን ግዳያት ከምኡውን ነቶም ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ቦምብታት ከቢድ ስቓይ ዘሕለፉ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወ ኵሉ ምዝካር ውግእ ንምዅናንን ንምንጻግን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።
ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ!
ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1965 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ "ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ!" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈጸሞ ጌጋታት ዘስዓቦ መጉዳእቲ ንኸይድገም ዘድሊ ተዘክሮ እናሃሰሰ ይኽይድ ምህላዉን እዚ እውን ጓሂ ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም፥ እቲ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ዝድግፍ ሓሳብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንቡር እናዀነ ይኸይድ ምህላዉ ድማ ዓቢ ሻቕሎት ከም ዘሕድርሎም ኣመላኺቶም፥
"እቲ ሓፈሻዊ ግጭት ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ሓድሓደ ግዜ እንደገና ኣርዚንካ ምርኣይ ሰባት ነዚ ዘይቅቡል ዝኾነ ፍጻመ በብቝሩብ ክም ቅብሉ ገይሮም ክለማመድዎ ምርኣይ ብሓቂ ዘጨንቕ ኢዩ። ሰባት ሰላም እዮም ዚደልዩ! ኵሉ ሰብ ሓላፍነቱን ጽሕፍቶኡን ብህድኣት ክፍጽም ዘኽእል ርግኣትን ድሕንነትን ምዕባለን ክረኽቡ ኢዮም ዝደልዩ" ኢሎም፥ ነዚ ተኽእሎ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስነ - ሓሳባዊ፡ ሃገራዊ ወይ ቁጠባዊ ህርፋን ምድላይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ከቢድ በደልን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣትን እዩ፥ እንክብሉ ይገልጹ።
ሎት
ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ንውግኣት ዘለዓዕሉን ዘጽንዑን ክልወጡ መታን ክንጽሊ እንክዕድሙ፥ ምእንቲ እቶም ውግእ ዚደልዩ ጀመርቱን ብዕሽነቶም ዘጎሃህርዎ ክቕጽል ብምግባር ዘናውሕዎን ስሱዓት በዚ ጸያፍ ተግባር እዚ መኽሰብ ዝረኽቡ ሰባት ክልወጡ ክንጽሊ ይግብኣና። ነቲ ዘምጽኦ መከራ ክስተውዕሉ መታን ኣምላኽ ንልቦም የብርሃሎም . . . እቶም ገበርቲ ሰላም ውሉደ ኣምላኽ ክበሃሉ ምዃኖም" (ማቴ 5፡9) ኣዘኻኺሮም ምእንቲ ገበርቲ ሰላም እውን ሎት ክግበር ሓቲቶም፡ ከምኡ'ውን ገበርቲ ሰላም ሰላማዊ ርክብን ዘተን ንምዕባይ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክቕጽሉ ብምትብባዕ፥ "ኣብቲ ዘይሕለል ጻዕሮም ክጸንዑ፡ ጻዕሮም ድማ ዘውዲ ዓወት ክደፍእ” ንጸሊ ምስ በሉ፥ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቶም ግዳያት ኩሉ ዓይነት ኲናት ኣብ ሎት ክዝከሩ እንክሓቱ፥
“ድኻታትን ድኹማትን፡ ኣረጋውያን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ወትሩ ቀዳሞት ግዳያት ናይዚ መዓት” ምዃኖም ኣጉሊሖም፡ ስለቶም ግዳያት ኲናት፤ ናይ ሕሉፍን ናይ ሕጂን ግዳያት ኩናት ንጸሊ። እግዚኣብሄር ንኹሎም ኣብዚ ዘስካሕክሕ ግጭታት ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሕቕፎኡ ክቕበሎም፡ ነቶም ሎሚ ብኲናት ንዝሳቐዩ ኩሎም ጸግዒ ይኹኖም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።