ҽ

2024.06.12 Udienza Generale 2024.06.12 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ውግእ ስዕረት ኢዩ፣ ምእንቲ ሰላም ብሓይሊ ንቃለስ ኣለና

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ነታ "እትሳቐ ዘላ ዩክረይን" ጥራይ ዘይኮነስ ንፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር ከምኡውን ነተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ብዙሓት ሃገራት ክንርስዕ የብልናን ክብሉ እንደገና ጻውዒት ኣቕረቡ። ጽባሕ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ነቲ ሰባኽን መዕቈቢ ድኻታትን ሰብ መከራን ዝዀነ ቅዱስ ኣንቶንዮስ ብዓል ፓዶቫ ኣብ እተኽትብረሉ ኣብነቱ ኽንስዕብን "እሙናት መሰኻኽር ወንጌል" ክንኸውንን ከም እተጸዋዕና ውን ንዘክር በሉ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ ንዝተሳተፉ ዅሎም "ሎሚ ሰላም ኢና እንደሊ ዘሎና፣ ውግእ ወትሩ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዙ ስዕረት እዩ።"  ክብሉ ምሕጽናታ ኣቕረቡ።

ሰላም ክንረክብ ንጽሊ ። ጐይታ ወትሩ ምእንቲ ሰላም ክንቃለስ ሓይሊ ይህበና ። ውን ክብሉ ጸለዩ!

ነቶም ካብ ፍሮሲኖነ ዝመጽ ምእማናን ሰላምታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኢጣሊያውያን ምእመናን ሰላምታ እንከቕርቡሎም ብፍላይ ነቶም ካብ ሰበኻታት ፍሮሲኖን-ቬሮሊ-ፈረንቲኖን ዝመጹ ንመበል 1500 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ጠበቓ ኸተማ ፍሮሲኖን ዝኾነ ቅዱስ ጳጳስ ኦርሚስዳ ንዘብዕሉ ዘለዉ ኣሰንዮምዎም ንዝመጹ ውን ብፁዕ ኣቡን ኣምብሮጆ ስፕራፊኮን ልባዊ ሰላምታ ኣቕረቡሎም ።

ቅዱስ ኣንቶንዮስ ብዓል ፓዶቫን "ንኣእምሮ ዘዕግብ" ቃሉን

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጽባሕ ዕለት 13 ሰነ እቲ ካህንን ሓኪምን ቤተ-ክርስትያን ዝዀነ ቅዱስ ኣንቶንዮስ ብዓል ፓዶቫ ዝኽሪ ዕረፍቱ ክኸብር ምዃኑ ገለጹ፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ኣብነት ናይዚ ንድኻታትን ንሰብ መከራን ዘዕቍብ ውሩይ ሰባኺ ንዅሉ ሰብ ብመገዲ እምነት ንኽመርሕን በዚ ኸምዚ ድማ እሙናት መሰኻኽር ወንጌል ንኪኾኑ ባህጊ ዘሕደረሎም እዩ።" ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊዝበን እተወልደ ቅዱስ ኣንቶኒዮስ ኣመልኪቶም ነቶም ካብ ፖርቱጋል ዝመጹ ነጋድያን ውን ገል ገለ ሓሳባት ኣመልከቱሎም፣ ገለ ኻብቲ ዝበልዎም ቓላት ድማ "ንኢየሱስ እንተ ኣንቢብካዮ ኣእምሮኻ ክኣግብ እዩ" በልዎም ። ስለዚ ድማ ኵሉ ሰብ "ንቅዱስ መጽሓፍ ከስተንትንዎ ውን " ኣተባብዕዎም ። ብኣኡ ኣቢሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ የበራትዓናን ንህይወትና የብርሆን ኣሎ።" ብምባል ድማ ቃል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

12 June 2024, 15:59