ҽ

2023.09.26   Papa Francesco Zoom Sinodo Building Bridges Across South Asia 2023.09.26 Papa Francesco Zoom Sinodo Building Bridges Across South Asia 

ር. ሊ. ጳ. ኣብታ "ኣብ ዙርያ ፓስፊካዊ እስያ ድልድል ምህናጽ" ኣብ ዝብል ዛዕባ ምስ ተማሃሮ ክራኸቡ ኢዮም

ብዕለት 20 ሰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ መንበረ ጥበብ ሎዮላ ቺካጎ ምስ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ዘዳለዎ "ኣብ ዙርያ ፓስፊካዊ እስያ ድልድል ምህናጽ" ኣብ ዘርእስቱ ዛዕባ ብቀጥራዊ ናይ ኢንተርነት መስመር ኣቢሎም ምስ ተማሃሮ ክዘራረቡ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህት - ሃገረ ቫቲካን

ጽባሕ ሓሙስ ዕለት 20 ሰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብተበግሶ መንበረ ጥበብ ሎዮላ ቺካጎ ብምትሕብር ምስ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝተዳለወ "ኣብ ዙርያ ፓሲፊካዊ እስያ ድልድላት ምህናጽ" ኣብ ዘርእስቱ ዋዕላ ምስ ተማሃሮ ክዘራረቡ ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ከም ብዙሓት ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ቤት ጽሕፈት ዋን ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ ምእመናን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ ትምህርትን ባህልን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከምኡ ውን ካብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ፋልማይ ስብከተ ወንጌልን ሓደስቲ ከባቢያውያን ኣብያተክርስቲያናትን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ላዕለዎት ኣባይቲ - ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ኣጋጣሚ ብምስታፍ ሓገዛቶም ክልግሱ ኢዮም ።

ሲኖዳዊ ርክባት

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንፍራንቸስኮ ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ዘካይድዎ ሲኖዶዊ ምንቅስቓሳት፣ ተወከልቲ ካብ መንበረ ጥበበብ ኣቴኖ ደ ማኒላ (ማኒላ ፊሊፒንስ)፣ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣውስትራልያ (ብሪዝበን ኣውስትራልያ) ፣ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበበ ፉ የን (ታይፐይ ታይዋን) ፣ መንበረ ጥበብ ሶጋንግ (ሶል ደቡብ ኮርያ) ፣ መንበረ ጥበብ ሶፍያ (ቶክዮ ጃፓን) ፣ መንበረ ጥበብ ቅድስቲ ዳርማ (ዮክያካርታ ኢንዶነዥያ) ከምኡ ውን ምስቶም ካብ ሲንጋፖር ቲሞር ለስተ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝመጹ ተወከልቲ ውን ክራኸቡ ኢዮም ።

እዞም ተማሃሮ እዚኣቶም ኣብ ከም ሥነ መለኮት ሥነ-ኣእምሮ፡ ንግዲ፡ ፊዚክስ፡ ሕጊ፡ ናይ ኮምፕዩተር ስነ-ፍልጠት፡ ከሚስትሪ፡ ፍልስፍና ከምኡ ውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓውድታት ፍሉይ ክእለት ኣለዎም ተማሃሮ ኢዮም።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብመስመር ዙም ዝካየድ ኮይኑ፣ ኣብ መስመራት ኢንተርነት ብቐትታት ክመሓላለፍ ኢዪ፣ ነዚ ድማ ኣብቲ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ተበግሶ ንህጸት ድልድላት ዝስመ ምንቅስቓስ ክርከብ ይከኣል ኢዩ -

እቲ ዝካየድ ዘተ ድማ ብቋንቋ እንግሊዝን እስጳንኛን ኪትርጐምን ኪግለጽን እዩ።

ድልድላት ምህናጽ

መንበረ ጥበብ ሎዮላ ቺካጎ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ንኽካየድ ዘቕረብዎ መጸዋዕታ ተለዓዒሉ፣ ነቲ ኣብ ተማሃሮ ዘተኰረን ኣብ መናብርተ ጥበባት እተወደበን ተኸታታሊ ፍጻመታት ድልድል ናይ ምህጽ ተበግሶ (ቢ.ቢ.ኢ.) ኣበገሶ። እቲ ናይ ፈለማ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኢዩ ተኻይዱ። እቲ ኻልኣይ ኣጋጣሚ ኸኣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ካብተን ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ተመሃሮ ድልድል ምህናጽ ዝብል ተበግሶ ኢዩ ነይሩ።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንተመሃሮ ብዛዕባ እቲ ሓባራዊ ዝኾነ ማሕበራዊ ጕዳያት ኣብ ጽን ምብህሃልን ዘተን ምስትውዓልን ዘተኮረ ንከካይዱ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሎም ኢዩ ዝነበረ። ስዒቡ ድማ ተወከልቲ ተማሃሮ ናይዘን ጕጅለታት እዚኣተን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተኻየደ ህያው ዝኾነ ርክብን ዘተን ይካፈሉ ኣለዉ፣ ኣብኡ ድማ ተመክሮታትን ተስፋታትን ናይቲ ጕጅለታቶም ንቅዱስነቶም የካፍልዎም ኣለዉ።

19 June 2024, 15:07