ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ “ፍልስጤምን እስራኤልን ጎኒ ንጎኒ ዝነብራ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ምስቶም ቅድሚ 10 ዓመት ዝነበሩ ኣርእስተ ብሔር እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ምንጎ እተን ክልተ ሓገራት ሰላም ክረጋገጽን ኲናት ከብቅዕ ብሓባር ዘካየድዎ ርክብ ኣብቲ እዋን ኲናት ከብቅዕ ወትሩ ከም ዝጽልዩን ውግእ ንጸገማት ክፈትሕ ከም ዝኽእል ጌርካ ምሕሳብ ገዛእ ርእስኻ ምትላል እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነቶም ደጊሞም ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ንዝተፈጸመ ታሪኻዊ መደብ "ጸዋዕታ ንሰላም" ኣብ ዝዝክረሉ እዋን "እዚ ኲናት ከብቅዕ ናይ ወትሩ ጸሎቶም ምዃኑ ብምርግጋጽ እቲ ኣብ ጽላል እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብሓባር ምስ ናይ ኣስራኤል ርእሰ ብሔር ሽሞን ፐረስ፡ ናይ ፍልስልጤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስን፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ኤቁመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ምልክት ሰላም ቢሎም ዝተኸልዋ ኦም ኣውሊዕ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራን ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዝኽሪ፥ "መራሕቲ ኣህዛብን ኣብ ግጭት ዘለዉ ውድባትን ናብ ሰላምን ሓድነትን ዝወስድ መንገዲ ከለልዩ" ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ሃገረ ፍልስጤምን ሃገረ እስራኤልን መናድቕ ቅርሕንትን ጽልእን ኣፍሪሶም ጎኒ ንጎኒ ክነብሩሉ ዘኽእሎም ሃዋህው መታን ክህሉ ኩላትና ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ ክንሰርሕን ቃል ክንኣቱን ኣሎና፡” ንኢየሩሳሌም ኣብ መንጎ ክርስትያን፡ ኣይሁድን ኣስላምን ሕውነታዊ ርክብ ዝረጋገጸላ ከተማ ክትከውን ብፍሉይ ኣህጉራዊ ውሕስነት ህልዊ ዂኔታ ዝተሓለወት ከተማ ክትከውን” ቢሎም፥

“ኩላትና ሃገር ፍልስጤምን ሃገረ እስራኤልን ጎኒ ንጎኒ ክነብሩሉ ዝኽእሉ ነባሪ ሰላም ንምምዝጋብ ክንሰርሕን ቃል ክንኣቱን ይግባእ።”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝተሓደሰ ተወፋይነት

ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ንግጭት '”ኣይፋል' ምባል ትብዓት ይሓትት - ‘እወ’ ንዘተ ኣይፋል ንዓመጻ፣ እወ ንናይ ሰላም ዘተ” እዚ እንተድኣ ኣሚንናን ተግቢርናዮን ድማ ውግእ ኣይክህሉን እዩ፣ እወ ንስምምዕን ቅንዕናን፡ ኣይፋል ንዘቖጥዕ ተግባር . . . እዚ ዅሉ ትብዓት ብርታዐን ጽንዓትን ዝሓትት ኢዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ዓመት እቲኣ ካብ ዕለት 24 – 26 ግንቦት እውን ቅዱሰንቶም ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብቲ እዋን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስታዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዝነበሩ ኣተናጎራስ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘካየድዎ ርክብን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዘካየዱን ካብ ቀደም ሎሚ ዝያዳ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክወርድ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ኣብቲ ዕለት 7 ሰነ 2024 ዓ.ም. ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ጸሎት ከም ዘሐደሱን፥

"ኣብዚ ብዘሕዝን ግጭታት ዝልለይ እዋን፡ ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ዳግማይ ተወፋይነት የድሊ . . . ንኹሎም ኣመንትን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ጻውዒት ኣቕርብ . . . ሰላም ምሕላምን ናይ ሰላም ዝምድናታት ምህናጽን . . . ሰላም ምሕላምን ናይ ሰላም ምሕዝነት ምህናጽን ኣይነቋርጽ!”

ዕለት 7 ሰነ 2024 ዓ.ም. ምሸት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝኽሪ 10 ዓመት ራባይ ኣልበርቶ ፉናሮ፣ ዓብደላ ረዶዋን ዋና ጸሓፊ ማእከል እስላማዊ ባህሊ ኢጣልያን ናይ እስራኤልን ፍልስጤምን ልኡከ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበርን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነብስና ምትላል ነቋርጽ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ "ኲናት ሽግራት ክፈትሕን ሰላም ከምጽእን ይኽእል'ዩ ቢልካ ምሕሳብ ገዛእ ርእስኻ ምትላል እዩ - ቢሎም - ኣብ ክንድኡ፡ ኣብዚ ሎሚ ብዘሕዝን ኩነታት ዓብላሊ ዝኾነ “ግጭት፣ ዓመጽን ምግምማዕን ኣካል ንቡር ኣካይዳ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ ዝብል ርእየት ዓለም ንቑሓትን ነቐፍትን ክንከውን ኣሎና" እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥ ንሃገራት ፍልስጤምን እስራኤልን "ጎኒ ንጎኒ ክነብራ" ዘኽእለን ነባሪ ሰላም ንኽህሉ ዝዓዩ ንኹን” እንክብሉ ንኾሎም ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም፡ ኩሎም ተዋሳእቲ፥ “ንኢየሩሳሌም ኣብ መንጎ ክርስትያን፡ ኣይሁድን ኣስላምን ሕውነታዊ ርክብ ዝረጋገጸላ ከተማ ክትከውን ብፍሉይ ኣህጉራዊ ውሕስነት ህልዊ ዂኔታ ዝተሓለወት ክትከውን” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቓዛ ደም ምፍሳስ ደው ይበል

ቅዱስነቶም ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝሳቐዩ ኩሎም፣ ክርስትያን፣ ኣይሁድን ኣስላምን እናሓሰቡ፣ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ንምውጋድ ተኹሲ ደው ክብል፣ ከምኡ’ውን ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑ ዘቕረብዎ ጻውዒት አሐዲሶም፥

"ካብ ፍርስራስ ቓዛ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣጽዋር ደው ናይ ምባል ውሳነ ክለዓል ክሳብ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ እሓስብ"

እንክብሉ ንቤተሰብ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ብምዝካር "ብዝተኻእለ መጠን እቶም ጅሆ ዝተታሕዝዎም ኣባላት ስድራ ቤቶም ብቕልጡፍ ክፍትሑን . . . ብተወሳኺ ንህዝቢ ፍልስጥኤም ሓለዋ ክግበረሉ፡ "ኩሉ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዛት ክረክብ" ከምኡ'ውን ዝዓነው ኣባይቲ ናይቶም ብሰንኪ እቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ብሰላም ናብ መነባብሮኦም ክምለሱ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዳግማይ ክህነጽ፡ "ዕድል መታን ክህሉ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሓድሽ መዓልቲ ተስፋ ምሕላው

ቅዱስ ኣቦና ብፍሉይ መንገዲ ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ኣብ መንጎ ንብዓትን መከራን "ምጽኣት ሓድሽ መዓልቲ ተስፋ ብምግባርን ወጋሕታ ሰላማዊት ዓለም ንምህላው ንዝጽዕሩ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥

በዚ ስምዒት እዚ ንጐይታ ብምሕረቱ ጸሎት ናይቶም ዝተኣከቡ ክሰምዕ፡ ውህበት ሰላም ክህብ ተማሕጺኖም

"ብሓቂ ሰላም ብጽሑፍ ስምምዓት ወይ ብሰብኣውን ፖለቲካውን ምድምማጽ ጥራይ ኣይኮነ ዝፍጸም" እንታይ ደኣ "ነፍሲ ወከፍና በቲ ንርእሰ-ፍትወትና ዘጥፍእ፡ ንጽልኢና ዘፍርስ፡ ከምኡ'ውን ጣዕምን ሓጎስን ዕርክነትን ሕውነትን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ዝህበና ፍቕሪ ኣምላኽ እናተራኸብናን እናተተንከፈን ካብ ዝተቐየረ ልቢ ይውለድን ይትንስእን . . . 

"እግዚኣብሄር ባዕሉ መጀመርታ ንልብና ዕጥቁ ክፈትሕ፡ ተቐባሊ ኣጋይሽ፡ ርህሩህን መሓሪን ክገብሮ እንተዘይፈቒድናሉ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን'ዩ"

ኣንክብሉ ኣጠንቂቖም፥

ሰላም ምሕቋፍ

ኣስዒቦም ንእስራኤላውያን ፍልስጤማውያን ኣቦታት ኣብ ቨሮና ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ ክተሓቛቖፉ ዝረኣይዎ ተመክሮ ዘሕደሮ ሓጎስ ዘኪሮም፣ እዚ ኣካል ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት ኮይኑ ክስምዓና ዝድርኽን ዘይተጸበናዮ ሓጎስ ዝህበናን እዩ።

"እስራኤልን ፍልስጤምን ዝደልይዎ እዚ እዩ: ሰላም ምሕቛፍ!"

"መራሕቲ ኣህዛብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናት ናብ ሰላምን ሓድነትን ዝወስድ መንገዲ ክረኽቡ"፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብታ ዕለት ዝተዳለወ

ጸሎት ንሰላም

“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምእንቲ ናይ ሰላም ጸሎትና ስማዕ!

ብዙሕ ግዜ ፈቲንናን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት

ግርጭታትና ብናይ ገዛእ ርእስና ሓይልናን ብሓይሊ ቅልጽምናን ክንፈትሖ ፈቲንና ኢና

ክንደይ ህሞታት ጽልእን ጸልማትን ኣሕሊፍና፤

ክንደይ ደም ፈሲሱ፤

ክንደይ ህይወት ተበታቲኑ፤

ክንደይ ተስፋ ተቐቢሩ...

ጻዕርና ድማ ከንቱ ኮይኑ።

ሕጂ ጎይታ ሓግዘና!

ሰላም ሃበና፣ ሰላም መሃረና፤ ስጉምትና ኣብ መንገዲ ሰላም ምራሕ።

ኣዒንትናን ልብናን ክፈት፡

ከምኡ’ውን “ኲናት ደጊም ኣኣይሃሉ!”፡ ክንብል ትብዓት ሃበና፤

“ምስ ኲናት ኩሉ ይጠፍእ”።

ኣብ ሰላም ንምብጻሕ ጭቡጥ ስጉምትታት ክንወስድ ትብዓት ኣብ ልብና ኣስርጽ።

ዝፈጠርካና እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ነብያት ኣምላኽ ፍቕሪ

ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንነብር ትጽውዓና።

መሳርሒ ሰላም ክንከውን መዓልታዊ ሓይሊ ሃበና፤

ኣብ መገድታትን እንራኸቦም ብጥቓና ዝሓልፉን ኩሉ ከም ሓውና ወይ ሓፍትና ክንርእዮም እኽሎቱ ክህልወና መታን።

ንልመና ዜጋታትና ተሃወስቲ ግበርና።

ናይ ውግእ ኣጽዋርና ናብ መሳርሒ ሰላም ክንቅይሮ፣

ራዕዲና ናብ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ምትእምማን፣

ጽልእና ከምኡ’ውን ናብ ይቕሬታ ክንቅይሮ መታን ​​

ኣብ ውሽጥና ሃልሃልታ ተስፋ ህያው ግበሮ፣

ስለዚ ብትዕግስትን ብጽንዓትን

ንዘተን ዕርቅን ክንመርጽ ምርይስን።

በዚ መንገዲ እዚ ኣብ መወዳእታ ሰላም ይዕወት፣

ከምኡ’ውን “ምግምማዕ”፡ “ጽልእ ኲናትን ዝብሉ ቃላት

ካብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ክእለይ እዩ

ጎይታ ናይ ዓመጽ መልሓስናን ኣእዳውናን ኣህድእ።

ልብናን ኣእምሮናን ኣሐድስ፣

ምእንቲ እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ ዘራኽበና ቃል “ሓው” ክኸውን፣

ኣነባብራና ድማ ወትሩ: ሻሎም: ሰላም ሳላም! ክኸውን

ኣሜን!”

ዝብል ጸሎት ብሓባር ምስ ተደግመ እቲ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ዝኽሪ 10 ዓመት ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 June 2024, 17:07