ҽ

Pope Francis general audience Pope Francis general audience 

ር. ሊ. ጳ.፦ መንፈስ ቅዱስ ንቅዱስ መጽሓፍ ህያውን ንጡፍን ይገብሮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ግልጸት ዝገበሮ ዕዮ ብምጕላሕ ኣብ ኣስተንፍሶ ቅዱስ መጽሕፍን ኣብ ትርጐሜ ቅዱስ መጽሓፍን ዘለዎ ግደ ንኣጉልሑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት የስተንፍሰሎም ጥራይ ዘይኰነስ "ንሰባት ንቕሓት ዝህብ" ውን የገብሮ ኢዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መለኮታዊ ግልጸት ዘለዎ ግደ ብምትኳር ኣብ ኣስተምህሮኦም መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣስተንፍሶ ቅዱስ መጽሓፍ ዘለዎ ተራ ውን ኣጕልሑ ።

ይኹን እምበር ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣስተንፍሶ ጥራይ ከም ዘይዛዘም ቅዱስነቶም ገለጹ ። መንፈስ ቅዱስ ንትርጕም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምግላጽን፣ ንቅዱስ መጽሓፍ "ወትሩ ህያውን ንጡፍን" ንምግባር ውን ብቐጻሊ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ይዓዪ ኣሎ በሉ።

ከምዚ ክብሉ ድማ ሓደ ኣብነት ከመይ ቢልና ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ግልጸት ከም እንረክብ እንክገጹ  ብዙሕ ሳዕ "ብዘይ ስምዒት" ኣንቢብናዮ ክንከውን ንኽእል ኢና። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ሓደ መዓልቲ ኣብ ናይ እምነትን ጸሎትን ሃዋሁ ኣቲና ምስ እነንብቦ ግን እቲ ጽሑፍ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ "ብሃንደበት ክበርሃልና ይጅምር።" በሉ።

ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ምምጋብ

ቤተ-ክርስትያን እውን "ካብ መንፈሳዊ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ኢያ እትምገብ፣" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ዘስተንፈሶ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ብምንባብ እያ ከአ እትምገቦ" በሉ። "እታ መርዓት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘስተንፈሶ ቅዱስ ጽሑፍ ክትትርጕሞ ሓላፍነት ዘለዋን መስኖ ናይቲ ሓቀኛ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኢያ" ብምባል ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ መለኮታዊ ንባብ ዘለዎ ጥቕሚ ማለት  ነቲ ብብሕትን ብምስትንታንን ዚግበር ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንክገልጹ ድማ "እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ እቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ብፍላይ ከኣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ማሕበራዊ ንባብ እዩ" ኢሎም ኣትሪሮም ኣመልከቱ። 

"ካብቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ወይ ኣብ ኣብ ጸሎተ ሰዓታት መዓልታዊ እንሰምዖ ሓያሎ ቃል ኣምላኽ ብፍሉይ ንዓና ዝትንክፈናን ትርጉም ዝህበናን መልእኽቲ ዘለዎ ወትሩ ንረክብ ኢና" ድማ በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ኣብ ልብና ምስ እንቕበሎ ከአ ንመዓልትና ከብርሆን ንጸሎትና ህያው ክገብሮን ይኽእል ኢዩ " በሉ ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ቕዱሳት ጽሑፋት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደታ ኣስተምህሮኦም "ንቃል ኣምላኽ ንኸነፍቅሮ ክሕግዘና ዝኽእል ሓሳባት" ብምባል፣ ነቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዓብዪን ዝበልዎ ብምጥቃስ ቅዱሱ መጽሓፍ ልክዕ ከምቲ ካብ ኣምላኽ ናብ ፍጡራቱ እተላእከ ደብዳበ ምኹኑ ገለጹ፣ እዛ ደብዳበ እዚኣ ብዛዕባ ብዝሒ ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ምዝራብ ሓሊፋ ኻልእ ትርጕም የብላን በሉ።

ከምዚ ክብሉ ድማ ጸለዩ - "እቲ ንቅዱስ መስሓፍ ዘስተንፈሰን ሕጂ ድማ ብኣታቶም ኣቢሉ ዘስተንፍሰልና መንፈስ ቅዱስ ነዛ ፍቕሪ ኣምላኽ እዚኣ ኣብቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጭቡጥ ክዉንነታት ንኽንርድኦ ይሕግዘና።" ብምባል ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

12 June 2024, 15:57