ҽ

ብጹዕ ካርሎ ኣኩቲስ ብጹዕ ካርሎ ኣኩቲስ 

ካርዲናላት ንካርሎ ኣኩቲስን ካልኦት 14ን ንውሳኔ ኣዋጅ ቅድስና ድምጺ ኣብ ዝህብ ዓውደ ጉባኤ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካርዲናላት ን15 ብጹዓን ቅድስና ንኽእወጀሎም ንናይ ቅድስና ኣዋጅ ውስነ ጽምጺ ክህቡ ዕለት 1 ሓምለ መደበይና ዕላዊ ጉባኤ ክመርሑ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 9 - 10 ሓምለ 1860 ዓ.ም ምሸት ሸሞንተ ፍራንቸስካውያን መነኮሳትን ሰለስተ ዓለማውያን ምእመናን ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ገዳም ፍራንቸስካውያን ኣብ እዋን ሰዓብቲ ሃይማኖት ድሩዚ ብዘለዓዓልዎ ናዕቢ ኣንጻር ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ኣማኑኤል ሩይዝን ብጾቱን ሓዊሱ ኣሕዋት ፍራንቸስካውያን፡ ዓብደል-ሙቲን ራፋኤል ማሳብኪን ዝርከብዎም ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ብጹዓን ንዝበልዎም ቅድስና ንኽእወጀሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካርዲናላት ወግዓዊ ይኹንታ ኽህብሉ ንመደበይና ዕላዊ ዓውደ ጉባኤ ክመርሑ እዮም።

ሰማእታት ሶሪያ
ሰማእታት ሶሪያ

ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ቅዱስ

ከምኡ እውን ካርዲናላት ንብጹዓን ሰለስተ መስረቲ ገዳማውያን ማሕበራትን ወዲ 15 ዓመት ሃንዳሲ መርበብ ሓበሬታ ካርሎ ኣኩቲስ ኣብ 1991 ዓ.ም. ዝተወልደ ጅማውቲ ብዘልምስ ሕማም ምኽንያት ኣብ 2006 ዓ.ም. ንዝዓረፈ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክትውጀሉ ድምጺ ክህቡ እዮም።

መስረትቲ ገዳማውያን ማሕበራት

ካብቶም ሰለስተ መስረትቲ ማሕበራት ገዳማውያን፡ እቶም ክልተ ጣልያናውያን – ኣባ ጁሰፐ ኣለማኖን ኤሌና ጉየራን – እታ ሳልሰይቲ ድማ ካናዳዊት ማሪ-ሊዮኒ ፓራዲስ መስራቲት ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ስድራ ቤት ከም ዝኾነትን፡ ኣባ ጁሰፐ ኣላማኖ፡ መስራቲ ማሕበር ኮንሶላታ ልኡካነ ወንጌልን ማሕበር ደናግል ኮንሶላታን ክኸውን እንከሎ ኢጣልያዊት ኤሌና ጉየራ መስራቲት ማሕበር ውፉያን ንመንፈስ ቅዱስ ምዃና ዜና ቫቲካን የመላኽት።  

ብጹዕ ጁዜፐ ኣላማኖ
ብጹዕ ጁዜፐ ኣላማኖ

ጉባኤ ካርዲናላት

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብቲ ናይ ቅድስና ኣዋጅ ውሳኔ ዛዕባ ዝገበረ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ መደበይና ዕላዊ ዓውደ ኣኼባ ካርዲናላት እቶም ኣብ ሮማ ዝነብሩን ብኣጋጣሚ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካርዲናላት ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 June 2024, 16:05