ር. ሊ. ጳ. ንምእመናን ሲሮ-ማላባር ናይ ኤርናኩላም - “ኣንቈራ ኣይትኹኑ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ አብ ጉዳይ ሥርዓተ ኣምልኾ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ክርክር ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ፣ ንምእመናን ርእሰ-ኤጳርቅናታት ኤርናኩላም ናይ ቤተክርስቲያን ሲሮ-ማላባር ውሳነታት ቅዱስ ሲኖዶስ ከኽብሩ ወይ ውን ካብቲ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽል ንሓድነት ቤተ-ክርስትያን ካብ ምፍትታን ክቁጠቡ አጠንቀቕዎም ።
ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ካብተን ምስ መንበረ ጴትሮስ ሕብረት ዘለወን ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብዕቤታ አብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኮይና ልዕሊ 4.25 ሚልዮን ዝዀኑ እሙናን ዝኽተልዋ ቤተክርስቲያን ኢያ። ርእሰ ኤጳርቅናታት ኤርናኩላም-ኣንጋማሊ ማእከላዊት መንበር ናይ ሲሮ-ማላባር ቤተክርስቲያን ኮይና፣ መንበር ናይቶም ዓቢይ-ሊቀጳጳስት ናይታ ቤተ-ክርስትያን እያ ። ኣብዛ ርእሰ ኤጳርቅናታት ከኣ ብዛዕባ ሊጡርጊያዊ ሥርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዝምልከት ቀጻሊ ግጭታት ክልዐል ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ንኹሉ ከሰማምዕ ዝኽእል ማእከላይ መንገዲ ዝወሰደ ሊጡርጊያዊ ሥርዓት ወሲኑ ይርከብ ። እዚ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ወይ "ቍርባና" ዝወሰዶ ውሳኔ በቶም ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዘለዉ ካልኦት ኤጳርቅናታት ተቐባልነት እኳ እንተ ረኸበ ዝበዝሐ ክፍሊ ናይታ ርእሰ-ኤጳርቅናታት ግና ምሳኦም ሰሚሮም ምኻድ ብምእባዮም ናብ ግጭታት እኳ ደአ ገለገለ እዋናት ናብ ዓመጻ ከም ዘምርሐ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አመልኪቶም ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓለለፍዎ ናይ ምስማዕ-ርእየት መልእኽቶም ምስ ሥርዓተ አምልኾ ምንም ምትሕሓዝ ዘይብሉ ካልእ ዓለማዊ ዝኾነ ምጽራራት ከም ዘሎ ውን ሓቢሮም ።
'ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጽንዑ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ንምእመናን ርእሰ-ኤጳርቅናታት ሲሮ-ማላባር ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብተደጋጋሚ ኸም ዝጸሓፈሎም ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቲ ጕዳያዮም ቅዱስነቶም ከም ዘጽንዕዎን ግዜ ወሲዶም ሜመያ ከም ዘኻይዱን ኣረጋገጸሎም። ይኹን እምበር ነፍስ ወከፍ ሰብ ነተን ቅዱስነቶም ዝለኾሎም መልእኽታት ስለዘየንበብዎ፣ ነቶም ምእመናን "ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንታይ ይሓስቡ ኢሉ ከይጠራር ሕጂ ግና ፍልይ ብዝበለ መገዲ" ይዛረብዎም ከም ዘለው አመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኸምዚ ዝስዕብ እንክብሉ ተሪር ጻውዒት ኣቕረቡሎም - "ብስም ጐይታ ክብል፣ ንመንፈሳዊ ጥቕሚ ቤተ-ክርስትያንኩምን ቤተ-ክርስትያንናን ነዚ ምብትታን እዚ ክትፍውስዎ እልምነኩም ኣለኹ። ንሳ ቤተ-ክርስትያንኩም እያ፣ ቤተ-ክርስትያንና ውን ኢያ። ከም ብሓድሽ ሓድነትኩም ኣደልድሉ፣ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከአ ጽንዑ!"
ብፍላይ ከኣ ካህናት ነቲ መዝነት እትቐበሉሉ ቦታን ነቲ አብ ዕለተ ክህነቶም ዝኣተዉዎ መብጽዓታትን ክዝክርዎን ፣ ካብ ቤተ-ክርስትያን ከይፍለዩን፣ የግዳስ ምስ ቅዱስ ሲኖዶስን ኣቡናቶምን ምስቶም ዓቢይ ሊቀ-ጳጳሳትን ሕብረት ክህልዎምን፣ ነቲ ኣብ በዓለ ልደት 2023 ዝጸደቐ ውሳኔታት ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክመላለሱ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ክትጥንቀቑ እልምነኩም ኣለኹ! ድያብሎስ ኣንቈራ ከይገብረኩም ተጠንቀቑ፣" ክብሉ አጠንቀቕዎም።
እገዳዊ ስጉምትታት ክውሰድ ዝከኣል እዩ
ምስ ጓሶቶምን ምስቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን "ደጊም ሕብረት ስለ ዘይብሎም" ካብ ቤተ-ክርስትያን ውጹኣት ኢዮም ኢሉ ውሳኔ ክወስድ ነቲ "ብቑዕ ሥልጣን ቤተ-ክርስትያን ንዘለዎ አካል" አይተገድድዎ ክብሉ ተማሕጸኑ ። ከምዚ እንተድኣ ኣጋጢሙ "ብብዙሕ ጓሂ እገዳታት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ!" እንክብሉ ድማ ኣጠንቀቑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም "ኣብዚ ደረጃ እዚ ኽበጽሕ ኣይደልን እየ" ድማ በሉ።
ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮስ ንምእመናን እታ ርእሰ ኤጳርቅናታት፣ ካህናትን ምእመናን ንቍርባና ማለት መሥዋዕተ ቅዳሴ "ብመሰረት መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ብሕብረት" ክቕድሱን ከምኡውን ስም ናይቶም ዓቢይ ሊቀ -ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዝክሩ ተላብዮም መልእኽቶም ዛዘሙ ።
ቅዱስ አቦና ኣብ መደምደምታ "በጃኹም ንኣካላት ክርስቶስ ቀጺልኩም አይተቑስልዎ!" ድማ በልዎም። "ገዛእ ርእስኹም ካብ ቤተክርስቲያን አይትፈለዩ! ኣንጻርኩም ዝኾነ ገለ ምጕርምራም እኳ እንተ ተረኽበ ብምሕረት ሕደጉሎም። ቅዱስ ቍርባን ኣርአያ ሓድነትኩም ይኹን። ፍርዲ ገዛእ ርእስኾም ከይትበልዑን ከይትሰትዩን፣ ነታ አካል ክርስቶስ ኾነት ቤተ-ክርስትያን አይተፍርስዋ!" ክብሉ ተላበውዎም ።