መልኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ስደተይናታት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ኣብ’ቲ ካብ 13 - 15 ታሕሳስ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ካልኣይ ዓለማዊ መድረኽ ስደተኛታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እዚ ካልኣይ ኣኼባ “ጸገም ስደተይናታት ከም ሓባራዊ ሓላፍነት ንምፍታሕ ዘለና ንጹር ተወፋይነት ዘርኢ’ዩ” ከምኡ’ውን “ናይ ተስፋ ምልክት’ዩ” ከም ዝበሉን ነዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልኽቲ ኣብቲ ዋዕላ ዕለት 13 ታሓሳስ ንተጋባእያን ዘስሙዑ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ መድረኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝመክር ዝዓበየ ኣህጉራዊ ምትእኽኻብ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። እቲ መድርኽ ኣብ ዓለማዊ ውዕል ስደተይናታት ዝተቐመጡ ዕላማታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንምድጋፍ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣአንገድቲ ሃገራት ጸቕጢ ምቅላል፡ ርእሰ-ምርኮሳ ስደተይናታት ምዕባይ፡ ተበጻሕነት መፍትሒታት ሳልሳይ ሃገራት ምዕባይ፡ ከምኡ’ውን ኩነታት መነባብሮ ኣብ መበቆል ሃገራት ምምሕያሽ ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ዓለምና ሃገራትን ከባብያዊ ማሕበረሰባትን ዶባቶምን ልቦምን ንስደተይናታት ክፉት ብምግባር፡ ህይወት ኣብ ባሕሪ ብምድሓን፡ ኣብ መቐበልን መእለይን ማእከላት ዝግበር ምትሕግጋዝ ዝብሉ እወታውያን ተግባራት ከም ዘለዉ ድማ ገሊጾም። ኣገዳስነት "ምትሕብባር ከም ቀንዲ መፍትሒ ዓለማዊ ጸገማት" ከምኡ'ውን "ህይወቶም ክቕይሩን ኣብቲ ዝኣትውሉን ዝእንገዱሉን ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ክገብሩን ዝደልዩ ክህብዎ ዝኽሉ ረብሓ ከም ዘሎን” ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሃገርካ ክትጸንሕ ወይ ክትስደድ ናጽነት
ኣብ ዓዶም ክጸንሑ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ክስደዱ ምምራጽ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናጽነት ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብዝበለጸ ድማ "ኩሉ ሰብ ኣብ ሃገሩ ክቡር ህይወት ናይ ምንባር ዕድል ክህልዎ ይግባእ" ከም ዝበሉን ሎሚ ዳርጋ 114 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ግጭት፡ ዓመጽ፡ ሃይማኖታዊ ኣድልዎን ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ከም እተመዛበሉን እውን ጠቒሶም መልስታትና ድማ ነዞም ዝተሓላለኹን ተኣፋፍን ህጹጽ ኩነታት ክሳብ ሕጂ ዝመዓራረ መልሲ ኣይተዋህቦን። እቲ ዘሕዝን ግን "ሓለዋ እናደለዩ ወይ ካብ ተስፋ ዘይብሉ መጻኢ እናሃደሙ ኣብ ምድርን ባሕርን ዝጠፍእ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ምኽንያት ምሕዛንና ገና ኣይተቛረጸን" እብክብሉ ሎሚ እውን ኣብ ጉዕዞ ስደት ህይወቶም ዝስእኑ ብዙሓት እያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ህይወት ንምድሓን ቀዳምነት ምሃብ
እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ህይወት ደቂ ሰባት ምሕላውን ምድሓንን ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ኣዘኻኺሮም፣ ኪኖ ቁጽርን ጭብጥታት ብኣሃዝ ምቕራብን “እቶም ብባሕሪ ዝስደዱን ዝሞቱን ውጅሂ ሰብን ታሪኾምን ስቓዮምን” ከም ዘሎን ሰባት ደኣ እምበር ቁጽሪ ኣይኮኑን . . . ኣብ ጉዳይ ምምላስ ናብ ዝመጽሉ ዝብል ውሳኔ ብውሕስነትን ብወለንተናኻን ክኸውን ኣለዎ፥ ንዝኾነ ሰብ ናብቲ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ወይ ሞት ከይተረፈ ከጋጥሞ ናብ ዝኽለሉ ቦታታት ክምለስ ፈጺሙ ዘገድድ ክኸውን የብሉን። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ስደተይናታት ዘአንግዳ ከባቢታት "ነቶም ማዕጾና ዝኹሕኩሑ ንምቕባል፡ ንምዕባይ፡ ንምስናይን ንምውህሃድን" ክጽዕራ ይግባእ።”
መሰላትን ግቡእን ስደተኛታት
ቅጽበታዊ ድሌታት መግብን መጽለልን ካብ ምምላእ ሓሊፉ ጻዕርታት ሓገዝን ምላይን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብቶም ዝቕበልዎም ማሕበረሰባት ክሳተፉን ኣበርክቶኦም ከቕርቡን ንምሕጋዝ ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም ወሲኾም "ስደተይናታት መሰልን ግቡእን ዘለዎም ሰባት እምበር ወድዒ ሓገዝ ኣይኮኑን" ክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ተውህቦኦምን ክእለቶምን ንኣአንገድቲ ማሕበረሰባት ክቡርን ዝምስገንን ጸጋ ክኸውን ከምዝኽእልን "ስደተይናታት ከም ኣካል ናይቲ መፍትሒ ኣካል ክኾኑ ብምሕዋስ ጥራይ እዮም ከም ሰብ ክምዕብሉን ኣብቲ ዝነብሩሉ ቦታ ዘርኦም ክዘርኡን ዝኽእሉ" እንክብሉ ከም ዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።
ናይ ሕውነት ባህሊ ምምራጽ
ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ሎሚ "ወይ ባህሊ ሰብኣውነትን ሕውነትን ወይ ባህሊ ዘይምግዳስ" ክንመርጽ ኣብ እንኽእለሉ ወሳኒ ህሞት ከምዘለና ገሊጾም። . . . “ታሪኽ ካብ ምፍራስ ስልጣነ ንምድሓን ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓት ክንገብር ይፈታተነና” ኣሎ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብቲ ዓለማዊ መድረኽ ስደተይናታት ነቲ ዕድል ተጠቒሞም “መትከላት ሕውነትን ምትሕግጋዝን” ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትን ሃገራትን ዳግማይ ከረጋግጹ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።