ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ ር.ሊ.ጳ. ንሕ.መ. ኣመሪካ ጳጳሳት ስለ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የመስግኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሓይሊ ምልክኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ብሮሊዮ፣ "ከም ሃገር መጠን ንማሕበረሰብና ዘዕቍብን ክብሪ ዅሎም ዝሕሉን ዝያዳ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ስርዓት ስደተይናት ንምህናጽ ትብዓት ክህልወና” እሓትት እንክብሉ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ናብ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዛዕባ ስደትን ስደተተይናታት ዝምልከት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የመስግኑ።
ሊቀ ጳጳስ ብሮሊዮ፣ . . . “ብስም ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ” እንክብሉ መልእኽቶም ኣበጊሶም “ቅዱስ ኣቦና ንናይ 11 ለካቲት መልእኽትኹም ኣፍልጦ ብምሃብን ናትና ብምግባርን ንቕበሎን፣ ስለ ጸሎትኩም ድማ ልዑል ምስጋናይ ክገልጽን ክብሪ ይስመዓኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ንኹሉ ተስፋ ዝህብ ዘወሃህድ መልእኽቲ
"ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ መጠን፡ ንነፍሲ ወከፍ ካቶሊክ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ናብቲ ብእምነት ዝጥርንፈና ትጽውዑ - ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ዜጋን ስደተይናን ብማዕረ ተስፋ ኢየሱስ ክርስቶስ ተቕርቡ" እንክብሉ ኣመስጊኖም፣
"ኣብዚ ናይ ፍርሕን ምድንጋርን እዋን፣ መድሓኒና 'ነቲ ዝነኣሰ እንታይ ጌርኩም?' እንክብል ንዘቕርበልና ሕቶ ንምምላስ ድሉዋት ክንከውን ይግባእ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነቶም ዝተጸገሙ ብተስፋ ምሕጋዝ
ብተወሳኺ ሊቀ ጳጳሳ ብሮልዮ ንኹሎም ምእመናን "ብሃንደበታዊ ኣገዳ ሓገዝ ምኽንያት ንዝሳቐዩ ኣባይቲ ስድራ ነዚ ዘጋጥሞም ስቓይ ክጻወሩ ሓይሊ ክረኽቡ ናብ ጎይታ ክጽልዩ ዓዲሞም . . . "ምሳኻትኩም መንግስቲ ኣሜሪካ ነቶም ኣዝዮም ዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ኣቐዲሙ ዝኣተዎ ቃል ክሕሉ ንጽሊ"ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምብጻሕ ጎይታ ኣብ ጽጉማት ምርኣይ
ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ ንቕዱሰንቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ንሃገራዊ ምትእኽኻብ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ረድኤት ኣብ ምድጋፍ ምሕረትን ልግስን ከርኢ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ከምኡ'ውን "ኣብ ባይታ" ናይ ከባቢ ካቶሊካውያን ትካላት ግብረ ሰናይ "ዝጋጥሞም ዘሎ ጸገም ብጻዕሪ ኩሉ ክብዳህ" ንዝግበር ምትሕብባር ድማ ንኢዶም፣
"ነቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ድኻታት ብቐጻሊ ኽንከናኸኖምን ኣብቲ ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ከባቢ ዘሎ ዅነታት ንምምሕያሽ ባህጊ ኸነሕድርን ክንቃለስ ከለና፣ ኣብኦም ገጽ ክርስቶስ ከም እንርኢ ወትሩ ነስተውዕም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እዚ፣ "ናይ ዕርቅን ሕውነትን ድልድል ንሃንጽ" ቢሎም፣ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ጉባኤ ጳጳሳት ድማ ስለቲ ንድኻታትን ስደተይናታትን ዝነብሮ ቅርበትን ዘቕርቦ ደገፍን ብእምነት እንደጋና አሐድሶ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።