ኣባ ጁብራን፡ ነበርቲ ጀኒን ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ከምዘለዉ ይሕብሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣባ ኣሜር ጁብራን ኣብታ ዝተጎበጠት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ከተማ ጀኒን ዘገልግሉ ዘለዉ ኣብ ኢዮሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ ዝኽተል ሰበኻ ካህን፡ መበቆሎም ካብ ናዝሬት ኮይኑ ቅድሚ ናብ ጀኒን ምቅያሮም ኣብ ቤት ጃላ ኣብ ዝርከብ ኣብ ኢዮሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተል ፓትርያርክ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓለቓ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽሩ።
ኣባ ጁብራን “L’Osservatore Romano - ሎሶርቫቶረ ሮማኖ” ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ብዛዕባ ኩነታት እታ ኣብ ውግእ እትርከብ ከተማ ፍልስጤም ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ "እታ ከተማ ብሰራዊት እስራኤል ካብ እትትሓዝ 17 መዓልቲ ተቝጽር ኣላ - ቢሎም - ኣብ ኣባይትና ተዓጺና ኣሎና፡ ዋላ’ውን ወጺእና መሰረታዊ ኣድላይነታት ንምሽማት የፍርሓና . . . ወተሃደራት እስራኤል ብዕለት 21 ጥሪ ናብ ከተማ ጀኒን ከም ዝኣተዉን፡ እዚ ድማ ዳርጋ ምስቲ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ዝጀመረሉ እዋን ዝጋጠም እዩ” ኢሎም።
እዚ ግዜ እዚ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ነቲ ውግእ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝቃወሙ ዕልዋ መንግስቲን ክንገር ኢና እንብክሉ ንንዘፈራርሑ ዘለዉ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ንምጥፋእ ብዝብል ዕላማ ኣብታ ከተማ ወተሃደራቱ ከጸንሑ ከም ዝገበረ ዝህቦ መግለጺ፣ ብዝሓት ተዓዘብቲ ዘእምን ኮይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል።
ወተሃደራት እስራኤል ቅድሚ ንከተማ ጀኒን ምቑጽጻሮም፣ ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ዝነበሩ ዕጡቓት ጕጅለታትን ሓይልታት ጸጥታ ሃገራዊ ምምሕዳር ፍልስጥኤምን ንሰሙናት ዝጸነሐ ግጭት ነይሩ እዩ። . . . ሓይልታት እስራኤል ንጀኒን ክቁጻጸር እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ናብታ ከተማ እትዩ፣ ንዓሰርተ መዓልታት ዝተቖጻጸረ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ሕጂ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዘሎ ግን ጽዑቕ ግጭት ጥራይ ዘይኮነስ ንውሓት ግዜኡ’ውን እዩ። እዚ ጎበጣ ነባሪ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ናይ ብሓቂ ስግኣት ኣሎ" ኢሎም።
ሕቶ፡- ነዞም ምልሻታት: ሓማስ፡ እስላማዊ ጅሃድ፡ ወይ ብርጌድ ጀኒን ዝበሃል መን እዩ ዝመርሖም ዘሎ?
ንሕና ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓሳት ወጻኢ ስለ ዝኾንና፡ መን ይምርሓዮ ንፈልጦ ጉዳይ ኣይኮነን። ልክዕ ከምቶም ዝበዝሑ ነበርቲ ጀኒን ብሰላም ጥራይ ኢና ክንነብር ንደሊ።
ሕቶ፡- ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ስቓይ እንታይ እዩ?
ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ኣብ ቀረባ ዓድታት ድሕንነት ንምድላይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። ብዙሓት ካብ ቤቶም ወጺዕም ክወፍሩ ዝከኣሎም ኣይኮነን፣ እቲ ብሰሜንን ብምዕራብን ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣታት ናብታ መብዛሕትኡ ግዜ ዚሰርሑላ ከተማ ገሊላ ዘእትዎም መፈተሺ ነቝጣታት ተዓጽዩ እዩ። እንኮ ኽፉት መፈተሺ ነቝጣ ኣብ ደቡብ ዝርከብ ናብ ያሪኮ ዘሕልፍ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ፍቓድ ሒዞም ናብ ሰሜን ኪኸዱ ዘለዎም ሰባት ናይ ጉዕዞ ሰዓታቶም ኣዚዩ ነዊሕ ይገብሮ።
እተን መዕቖሪ ማያት ምስ መብዛሕትኡ ትሕተ ቅርጺ ስለዝዓነወ። ብዙሕ ህዝቢ ቀረብ ማይ የብሉን መገድታት እውን ተዓጽዩ እዩ። ክሳብ ሕጂ ናይ ክልተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ዘጠቓልል ኣስታት 180 ኣባይቲ ዓንዩ ወይ ብክፋል ፈሪሱ እዩ።
ናብ ደገ ምውጻእ ኣዝዩ ሓደገይና ኮይኑ ኣሎ - ኣነ ንባዕለይ ፍጹም ኣድላዪ እንተዘይኮይኑ ካብ ምውጻእ እቑጠብ። ብዝከኣል መገዲ ኣቢለ ንመጓሰይ ቀረባ እየ። ቁምስናና ካብቲ ማእከል ውግእ ዝኾነ መዓስከር ስደተይናታት ኣስታት ናይ ሓደ ኪሎ ሜተር ርሕቐት ጥራይ እዩ ዘለዎ . . .
ሕቶ፡- ኣመር ኣብ ዝመጽእ መዓልታት እንታይ ትጽበዩ?
ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ምጥርጣራት ኣሎ። ኣብዚ ቐረባ እዋን እተራእየ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዜተባብዕ ኣይኰነን። ግናኸ ሓደ ርግይና እንዀነሉ ነገር እንተሎ ‘ኣነ ንህዝቢ ጀኒን ሓደጊ ከም ዘይከይድ እዩ፣’ ብዛዕባ እዚ ጥራሕ እየ ርግጸይና ክኸውን ዝኽእል። ነዚ ዜሕዝን ተመክሮ ናይቲ ዚሳቐ ዘሎ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ተኻፋሊ ምዃን እዩ ምርጫይ፡ ብዛዕባ ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ከኣ ንዝሰምዕ ልብን እዝንን እነግር። ካብቲ ዞባ ርሑቕ ዝነርብሩን ኮታ ህዝቢ ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ክጽሊ ካብ ምሕታት ኣይቦክርን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።