ዜና ካብ ምስራቓውያን - ዕለት 14 ለካቲት 2025 እተላእከ ዜና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሞሱል ምርቓ እተሓደሰ ገዳም
ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ዒራቕ፣ እቲ ዓቐዲሙ ኣብ ሞሱል ኣብ ጥቓ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝርከብ ገዳም ማሕበር ደናግኒ ዶመኒካዊት ኣሓት ዝነበረ ቤት ጸሎት ድሕሪ እተገብረሉ ዳግመ ምሕዳስ ተመሪቑ።
እዚ ውጥን እዚ ብዩኔስኮ ዝተመርሐን ብማሕበር ኣሊፍ ዝተመወለን ኰይኑ፣ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፈረንሳ ኤማኑወል ማክሮንን ብ2021 ናብ ሞሱል ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ ኢዩ ተጀሚሩ።
እዚ ቦታ እዚ ሓደ ኽፋል እቲ ብ2017 ምስ እስላማዊ መንግሥቲ ዳዒሽ ኣብ እተገብረ ውግእ ዝዓነወ ታሪኻዊ ግዳም ሞሱል ዳግም እተሃንጸሉ እዋን እዩ ዝነበረ።
እቲ ናይ ዳግመ ምሕዳስ ዕዮ ካብ ሚያዝያ 2023 ክሳዕ ሚያዝያ 2024 ኢዩ ተኻዪዱ፣ ዳርጋ 1.5 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝኸውን ባጀት ድማ ዝፈሰሶ ኢዩ ዝነበረ ።
በዓለ ትርንደዝ ኣብ ኣርመንያ
ኣርመናውያን ንበዓለ ትርንደዝ ማለት ናይቲ ድሕሪ 40 መዓልቲ ድሕሪ በዓለ ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸቢሩ ዝውዕል በዓለ ንጽሕ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ብኽብሪ ዘኪሮም። እዚ ኻብ ኣረማዊ ልምድታት ዝመጸ ክርስትያናዊ በዓል ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ሓዋርያውያንን ካቶሊካውያንን ዝኸብር በዓል ኢዩ።
እዚ በዓል እዚ ድማ ምሳልያዊ ምንዳድ ናይቲ ኣረጊት ዝሓልፈ ዓመት ምልክት ኢዩ ። ሰብ ሓዳር ብልዕሊ እቲ ዝነድድ ዕንሸይቲ ብምስጋር ናብ ሓድሽ ዓመት ኣሳልጦን ፍርያምነትን ከም ዝሓለፉ ዘመልክት ውን ኢዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ እተኻየደ ቅብኣተ ጵጵስና
ብፁዕ ኣቡነ ጎበዝኣየሁ ገታቸው ይልማ ጳጳስ ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝርከብ ካቶሊካዊ ሰበኻ ሃዋሳ ዀይኖም ተቐብኡ።
እዚ ጽንብል እዚ ዝሓልፈ ሰንበት ዕለት 9 ለካቲት ኣብቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ሃዋሳ ዝርከብ ካቴድራል ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኢዩ ተኻይዱ።
እዚ መንበር ሓዋርያዊ ዕቕብና እዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ጳጳስ ብዘይምርካቡ፣ እሙናት እዚ ሃገረ ስብከት ነዚ ጽምብል እዚ ንምምልካት ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ብዙሕ ዓጀባ ተቕባል ሓዲስ ጳጳሶም ኣካየዱ።
ብፁዕ ኣቡነ ጐበዝኣየሁ ይልማ ኣቐዲሞም ናይ ሰበኻ መቂ ካህን ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኢዮም፣ ኣብ ሰበኻ መቂ ድማ ከም ኣተሓባባሪ መንእሰያትን ማሕበር ካህናትን ከምኡውን ኣመሓዳሪ ሰበኻዊ ቤትጽሕፈት ካሪታስ ዀይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኢዮም።