ጳጳሳት ኬንያ ሃገር ንምልዋጥ ሓባራዊ ሓላፍነት የጉልሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድሚ እቲ ዕለት 5 መጋቢት ዝጅምር ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም.፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ፣ ክርስትያን ብሓባር ክጓዓዙ፡ ጾር ሓድሕዶም ክሽከሙን ኣብ ሕብረተሰብ መጋበርያ ለውጢ ክኾኑን ኣዘኻኺሮም። ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ነቲ ኣብ 40 መዓልታት ዝጸንሕ ዓቢይ ጾም ዝግበር ኣስተንትኖ፣ “እታ እንብህጋ ኬንያ” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ክኸውን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከም ዝወሰነት ዜና ቫቲካን ናይ ኬንያ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
“ኣብታ ‘እንብህጋ ኬንያ’ እነስተንትነሉ እዋን፡ ንገዛእ ርእስና እንታይ ከም እንደሊ ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት እንታይ ከም እንደሊ ኣብ ግምት ከነእቱን፣ ድሕረ ባይታ ይኹን ደረጅኡ ብዘየገድስ፣ ናይ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ክንምነ ተጸዊዕና ኣሎና” ዝብል ሓሳብ፣ ኣብቲ ኣቦ መንበር ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት (ኬንያ KCCB) ጳጳስ ሳይሞን ፒተር ካሞሞኤ ኣብ ዝኸትምዎ መግለጺ ከም እተሰመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ከም ክርስትያን መጠን “ካልኦት እናተሳቐዩ ብውልቃዊ በረኸት ጥራይ ክንዓግብ ኣይንኽእልን ኢና። ሓባራዊ ሰናይ ምድላይ እውን ሓላፍነትና ስለዝኾነ፡ ማዕርነትን ፍትሕን ርህራሄን ዘዕቢ ሕብረተሰብ ክንምነ ኣሎና” እንክብሉ ኣብቲ እቲ መልእኽቲ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።
ወኪላት ለውጢ
ክርስቶስ ንዓለም ንኽልወጥ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ግብረ ገባዊ ክብርታት ክሕሉን ከምኡ’ውን ንኽብሪ ኩሉ ሰባት ክጣበቕን ይጠልብ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰባትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ኣወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ብንጥፈት እናሰርሕና ኣንጻር ብልሽውናን ዘይፍትሓውነትን ዘይምዕሩይነትን ደው ንምባል ትብዓት ክህልወና ይሓትት፣ “እቲ ብድሆ መንፈሳዊ ድሌት ለውጢ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ግብራዊ ተወፋይነት እውን እዩ፣ ከም ዜጋታት ኬንያ፡ እታ እትድለ ሃገር ኣብ ምፍጣር ተራ ኣለና። ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ማሕበረሰብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣባይትን፡ ንጽቡቕ ባህርያት ቅንዕናን ፍቕርን ፍትሕን ከነቃልሕ ኣሎና” እንክብሉ ጉባኤ ጳጳሳት ኬንያ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይቲ ጉባኤ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ከም ህዝቢ፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ሓድነትን ሓዊሱ ግብረ ገባዊ ክብርታት ዝነብሩ ክንከውንን፣ ኩሉ ዜጋ ድማ ድሕረ ባይታ ይኹን ደረጃ ብዘየገድስ፡ ንኽዓቢ ማዕረ ዕድላት ከም ዘለዎን፣ “እታ እንብህጋ ኬንያ ናይ ምፍልላይ፣ ብልሽውና፣ ወይ ተስፋ ምቑራጽ ዘይኮነስ ፍትሒ፣ ሰላምን ሓድነትን ዝነገሰላ እያ፤ ኩሎም ዜጋታት ብፍላይ ድማ እቶም ዝተጠንጠኑኑን ኣብ ሕድጋት ዝነብሩ ክስስኑሉ ዝኽእሉሉ፡ መሪሕነት ብቕንዕና ዝልለየሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ድሕነት ካልኦት ዝምነየሉ . . . እቲ ድሌታት ድማ ምስ ክብርታት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰማምዑሉ” ሃገር እያ . . . እክብሉ እውን ኣብቲ ንዓቢይ ጾም ዘቕረብዎ ናይ ኣስተንትኖ ሓሳብ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድሌታትና ክነጽህ ይግባእ
ዓቢይ ጾም ኩሎም ክርስቲያን ብጸሎትን ንስሓን ምጽዋትን ተጋድሎን ገዛእ ርእሶም ክምርምሩ ዝጽውዕ ቅዱስ ወቕቲ ምዃኑ ጳጳሳት ኬንያ ገሊጾም፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ቁጠባዊ ጸገም፣ ወይ ማሕበራዊ በደል ዘጠቓልል ብድሆታት ኬንያ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፣ እቶም ጳጳሳት “ንሃገር ሰናይ ክንምነ፣ ምእንቲ ፈውስን ሓድነትን ክንጽሊ፣ ነዚ ድሌታት’ዚ ንዘንጸባርቕ ተግባራት ክንውፍይ ተጸዊዕና ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ክርስትና ንኬንያ ንምጽላይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ሕይወት ንድሕነት ሃገር ብትግሃት ንምድላይ እውን ዝጽውዕ ምዃኑ ገሊጾም። “ከም ዜጋታት መጠን ነቲ ክርስቶስ ንኹሉ ህዝቡ ዝብህጎ ፍትሕን ሰላምን ዘንጸባርቕ ህዝቢ ክንሓንጽ ፍቓደይናታት ክንከውን ይግባእ” እንክብሉ ዓዲሞም፣
ኣብዚ ንሓሙሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ወቕቲ ዓቢይ ጾም ኣብ ሓሙሽተ ወሰንቲ ነጥብታት ትኹረት ብምግባር ሓድነት ስድራቤትን ሰላማዊ ሕብረተሰባትን ንምህናጽ ኣበርቲዖም ዝዋስኡሉ እዋን ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ዝርአ ዘሎ ምግብረ ብልሽውናን ብላዕን ከምኡ እውን ተሓታትነት ዝጎደሎ ዓይነት ኣነባብራ፤ ብምቅዋም መንእሰይን ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ዕቑር ዓቕሙን ሃብቲ ሃገርና ብምዃኑ ብቑዕ ሕንጸት ክረክብን ናይ ሓባር ቤትና ክንከናኸንን ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ቁርጺ ፍቓድ ክግበር ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።